ምልክታ ግልፂ ጨረታ፤
ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ “ን3 ጊዜ ዝወፀ ክራይ ናይ ፉልድ ተሸከርካርን ን2 ጊዜ ዝወፀ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ንበጀት ዓመት 2018 ዕድጊት ኣገልግሎት ክፍፅም ይደሊ።
ስለዚ ኣብዚ ግልፂ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደልዩ ትካልና በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፁ ረቛሒታት እተማልኡ በዚ ዘርፍ ዝተመዝገብኹም መቕረብቲ ንኽትወዳደሩ ይዕድም።
ኣብ ላዕሊ ብዝተገለፀ ዘፈር ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቓድን ፤ሰርተፍኬት መቕረባይነትን ፤ናይ መፍለይ ቑፅሪ ወይ ካዓ /ቲን/ ወረቐት ፤ናይ VAፐ ምስክር ወረቐት ከምኡ ድማ ብበዓል መዚ እቶት ህልፐ ሪፖርት ግበሪ ግዜ ሰሌዳ መሰረት ናይ ሕሉፍ 3 ወርሒ ወይ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ዘሎ ሐደ ወርሒ (ሻት ዲክላሬሽን) ተወሳኺ እሴት ታክሲ (VAT) ሪፖርት ዝገበረሉ መረዳእታ ብኮፒ ከቕርብ ኣለዎ።
❖ ንሎት ጨረታ መኽበሪ ብር 3000 (ሰለስተ ሺሕ ጥራሕ) ብዝመረፅኩምዎ ብሲፒኦ፤ባንክ ጋራንት፤ወይም ዝተረጋገፀ ቼክ መዓልት ዘይተገደበ ዘቕርብ፤
❖ ንተጫረቲ መወዳደሪ ሰነድ ዘይምለስ 200 ብር ብምኽፋል ካብ ቤት ዕዮ ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ፤መራኺቢ ሓፋሽ ትግራይ ፊት ንፊት ዝርከብ ኣድማስ ዩኒቨርስቲ ግቢ ውስጢ 3 ደብሪ ብኣካል ወይ ወከልቲ ብምልኣኽ ምግዛእ ትኽእሉ፤
❖ ጨረታ ሰነድ ንመሸጣ ክፍት ዝኾነሉ እዋን ካብ ዕለት 18/6/2018 ክሳብ 02/07/2018 ሰዓት 11፡30 ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልታትን ሰዓትን ምውሳድ ትኽእሉ ምዃንኩም ንገልፅ፤
❖ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣታዊ ዝግበረሉ ዕለት 03/07/2018 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣታዊ ምግባር ይካኣል፤ጨረታ ዝኽፈተሉ በቲ ተመሳሳሊ ዕለት ተጫረቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ሰዓት 4፡30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት ዕዮና ይኽፈት፤መኽፈቲ ዕለት በዓል ወይ ንምኽፋት ዘፀግም ወድዓዊ ፀ7ም እንተጋጢሙ ብናይ ውሽጢ ምልክታ ተለዋጢ መዓልቲ ይናዋሕ ወይ ንኹሎም ተወዳደርቲ ብስልኪ ክፈልጡ ይግበር፤
* ኣብ መወዳደሪ ሰነድ ናይ ትካልኩም ማህተምን ፊርማን የድሊ፤ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ንኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ ጠቕላላ ኣገልግሎት፣ ስምሪት፣ ዕደጋን ንብረትን ምምሕዳር ቢሮ ቑፅሪ 04 ኣታዊ ይግበር፤
❖ ኣብ ናይ መንግስቲ ዕደጋ ከይወዳደሩ ብቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ትግራይ ዝተኣገደ እንተኾይኑ እግዱ ከይተልዓለሉ ክወዳደር ኣይክእልን፤
❖ ትካልና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ
03 45 59 99 29/03 45 59 99 25
መቐለ-ትግራይ ኢትዮጵያ