ን3 ግዘ ጨረታ ምልክታ
ናይ ዓድሽሁ ማዘጋጃቤት አብ ኸባቢ ኪዳነ ምህረት ንዘስርሖ ናይ ሰብ መሰጋገሪ ድልድል ከጫርት ይደሊ አብ ርእሱ ከምዝተገፀ ናይ ዓድሽሁ ማዘጋጃቤት አብ በጀት ዓመት 2018ዓ/ም እቲ አብ ኸባቢ ኪዳነ ምህረት ንዝስራሕ ናይ ድልድል መንድቕ ነቲ ዝስዕብ ረቁሓታት ንዘማልኡ ተጫረቲ ብምጭራት ምስ ሰዓራይ ውዕል ብምእሳር ነቲ ድልድል መንድቕ ከስርሕ ይደሊብዝተመሓየሸ መምርሒምትእስሳር ዕደገፋ ደቀቅትን አናእሽተንን ማእኸለዎትን ኢንዳስትሪ ትካላት ቁፅሪ 10/2016 መሰረት አናእሹተን ንግዲ ትካለት አብ ስራሕቲ መንገድን ጠቕላላ ስራሕቲ ህንፃን መንገድን ፍቃድ ንዘለዎ ንኽልተ ግዚ ጨረታ ወፂኢ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ እምባአላጀ ከተማ ዓድሽሁ በቲ ዝወፀ ብትኪ ተጫረትቲ ክርከቡ ሰለዘይኸአሉ በቲ መምርሒ አብ ዓንቀፅ 20 ተራ ቁፅሪ 4ን5ን መሰረት ንዝስዕብ ረቁሓ ንዘማልኡ ከጫርት ይደሊ
1) ናይ2017ዓ/ም ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ኮንስትራክሽን ፍቃድ ዘለዎ
2) ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈለምኻኑ ዘረጋግፅን ቫት ተመዝጋቢ እንተኾይኑ ምስ ድክላሬሽን ዘቅርብን ናይ መወዳእታ ወርሒ ቲን ናምበር ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ እቶም ዝትጠቀሱ መረዳእታት ናይ ምቅራብ ግቡእ አለዎ
3) ናይ መንገዲ /ድልድልን/ ወይ ኸዓ ናይ ህንፃ ፍቃድ ዘለዎ ብርኪ 10' ብዝተመሓየሸ መምርሒምትእስሳር ዕደገፋ ደቀቅትን አናእሽተንን ማእኸለዎትን ኢንዳስትሪ ትካላት ቁፅሪ 10/2016 መሰረት አናእሹተን ንግዲ ትካለት አብ ስራሕቲ መንገድን ጠቕላላ ስራሕቲ ህንፃን መንገድን ፍቃድ ዘለዎ ክኸውን አለዎ
4) ናይ ጨረታ ሰነድ /ዶክመንት/እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ 18/06/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 1500 ብምኽፋል ካብ ዓድሽሁ ማዘጋጃቤት ኸ/ስ/ዕደጋን ፋይናንስ ምምሕዳር ምውሳድ ይኽእል
5) ናይ ጨረታ መኽበሪ ዝትርጋገፀ ናይ ባንኪ ሲ ፒ ኦ cp.o ብር 20,000 ብሽም ዓድሽሁ ማዘጋጃቤት ዘቅርብ
6) ምስ ጨረታ ሰነድን አብ መምርሒ ዝተጠቀሱ ጨረታ ምምርሕታት ኣኽቢሩ ዝጫረት አካል ነቶም መምርሕታት ናይ ምኽባር ምትግባርን ግቡእን መሰልን አለዎ
7) ተጫራታይ እቲ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ብዝይ ስርዝ ድልዝ መሊኡ ኦርጅናል ንበይኑ ኮፒ ንበይኑ ብስምዒ ብዝትዓሸገ ፖስታ ብምግባር ናይ ምቅራብ ግቡእ አለዎ
8) እቲ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት18/06/2018ዓ/ም ጀሚሩ ዓድሽሁ ማዘጋጃቤት ነዚ ጨረታ ተባሂሉ አብ ዘዳለዎ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ አብ ወረዳ አምባአላጀ ከተማ ዓድሽሁ ማዘጋጃቤት እቲ ጨረታ ንዕለት 01/07/2018 ሰዓት 4:00 ተዓዕዩ በቲ ዕለት ሕጋዊ ሰነድ ናይ ዘማልኡ ሰዓት 4:30 ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለውሉ ይኸፈት
9) እቲ ቤት ማዘጋጃ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ናይ ዓድሽሁ ማዘጋጃ ቤት