ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ

ን2 ግዜ ዝወጸ ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ምስ EH ብምትሕብባር አብ ከተማ ዓዲ ግራት |DP CENTER multi sectorial support in the site WGSS ብቆርቆሮ ወይ ብኬንዳ መማረጺ ሪኣ ክተስርሕ ስለዝድለየት ። ነዚ ተማልኡ ተጫረቲ ንኸትወዳደሩ ንዕድም።

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበእ ረቋሒታት

1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቃድ ከቅርብ ዝክእል

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ( TIN NO) ከቅርብ ዝክእል

3. ዝተሓደሰ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬትን መቕረባይነትን ከቅርብ ዝክእል

4. ተጫረቲ ናይቲ ዝመልእዎ ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

5. ናይ ጨረታ መግዝኢ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00 ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ አነስትዮ ትግራይ ብአካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካአል

6. ተጫራታይ ስዓራይ ምኳኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ እ ኣሲሩ ሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕል ናብ ስራሕ ክኣትው ዝኸእል።

7. ተጫራታይ ዝርዝርዝ ስፐሲፊኬሽን ካብ ዋና ቤት ጽሕፈት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ መቐለ ምውሳድ ይከኣል።

8. ተጫራታይ ካብ ናይ ቤት ፅሕፈትና ስፒስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ አይፍቀድን

9. ተጫራታይ አብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ብቀጥታ ካብ ጨረታ ይስረዝ

10. ጨረታ ሰነድ አብ አየር ዝፀንሐለ ግዜ ካብ ዕለት 17/06/2018 ዓ.ም ክሳብ 23/06/2018 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝፀወሉ ዕለት23/06/2018 ዓ.ም ሳዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረከብለ አብ ቀበሌ 15 አብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይክውን

11. ቤት ፅሕፈትና ካብቲ ዘጫረቶ 20% ምዉሳኸ ወይ ምቕናስ ይኸእል

12. መክፈቲ ዕለት ቀዳም ሰንበትን እንተዊዒሉ አብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት ይክውን

13. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ

ምኳኑ ክንገልጽ ንፈቱ::