ትካል ናይ ማይ ጉድጋዳት ምቅፋር ተከዘ

ግልፂ ጨረታ

ተከዘ ዃዕቲ ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ ማይ ሓላፍ/ዝተ/ዉልቀ ማሕበር ንዘለወኦ ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎም ሆዛት ብዎርክሾፕ ናይ ምዕማቅ ስራሕቲ ንምስራሕ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደሊ በቲ ስራሕ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋውያን ተወዳደርቲ ዘይምለስ ብር 100.00 (ክልተ ሚኢቲ ብር) ብምኸፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ማረት ሓዱሽ ህንፃ 5ይ ደብሪ ኣብ ዝርከብ ቢሮና ብምዉሳድ ንክትወዳደሩ ንዕድም::

1. ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ክተታሓሕዙ ትክእሉ፡፡

2. ናይ መቕረባይ ምዝገባ ሰርትፊኬትን TIN ቑፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ክተታሓሕዙ ትኽእሉ፡፡

3. ቫት ተመዝጋቢ ዝኮንኩም ናይ ቫት ሰርትፊኬት ኮፒን ዘቕርብዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ፡፡

4. ካብ ዝምልከቶ አካል ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ ብቕዓት መረጋገፂ መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉን፡፡

5. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብ C.P.

O. ብር 3,000.00 (ሰለስተ ሽሕ) ከተትሕዙ ትኽእሉ።

6. ዝተአዘዘ ስራሕቲ ፅገና አሸናፊ ኾይኖም እንትርከቡ ውዕሊ ኣሲሮም ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ስራሕ ይጅምሩ።

7. ጨረታ አብ አየር ዝፀንሓሉ ጊዜ ካብ ዕለት 17/6/2018 ክሳብ 27/6/2018 ዓ/ም ኮይኑ በቲ ዕለት ልክዕ ስዓት 8፡00 ተዓሽጉ ስዓት 8፡30 ናይ ድ/ስዓት ይኸፈት ፡፡

8. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ተወሳኺ ሓበሬታ ብስ/ቑ0948466283 ወይም 0914753135 ምርካብ ይካአል።