ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረ ታ

ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ UNFPA project ንመቐለ፣ ማይጨዉን ዓድግራትን ሴፍ ሃውስ ግልጋሎት ዝዉዕል፡

- ናይ ዓበይቲ ምግቢ

- ተግባር ስልጠና

- ናይ ህፃናት ፐርሰናል አይተም

- ናይ ፅሕፈት መሳርሒ

- ስነ ልቦና

- ናይ ህፃናት ምግቢ

- ናይ ዓበይቲ ፐርሰናል አይተም

- ናይ ዕሬት ኣቑሑ

- ሪፍረሽመንት / Safty Oadit/

ብግልፂ ጨረታ አወዳዲራ ዉዕሊ አሲራ ክትዕድግ ስለዝደለየት ሕጋዎት ነጋዶ ዝኾንኩም ንክትወዳደሩ ትዕድም::

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበእ ረቋሒታት

1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቃድ ከቅርብ ዝክእል

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ( TIN NO) ከቅርብ ዝክእል

3. ዝተሓደሰ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬትን መቕረባይነትን ከቅርብ ዝክእል

4. ተጫረቲ ናይቲ ዝመልእዎ ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

5. ናይ ጨረታ መግዝኢ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00 ብምክፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ አነስትዮ ትግራይ ብኣካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካአል

6. ተጫራታይ ስዓራይ ምኳኑ ከብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ሪፖርት ክገብር

7. ተጫራታይ ካብ ናይ ቤት ፅሕፈትና ስፒስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ አይፍቀድን

8. ተጫራታይ አብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ብቀጥታ ካብ ጨረታ ይስረዝ

9. ጨረታ ሰነድ አብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 10/06/2018 ዓ.ም ክሳብ 18/06/2018 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 18/06/2018 ዓ.ም ሳዓት 4፡00 ተዓዕዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረከብሉ አብ ቀበሌ 15 አብ

10. ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይክውን

11. ቤት ፅሕፈትና ካብቲ ዘጫረቶ 20% ምዉሳኽ ወይ ምቕናስ ይኸእል

12. መክፈቲ ዕለት ቀዳም ሰንበትን እንተዊዒለ አብ /ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት ይክውን

13. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ምኳኑ ክንገልጽ ንፈቱ::