ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ 02/2018 ዓ/ም
ቢሮ ስቪል ሰርቪስ ክልል ትግራይ ኣብ 2018 በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ዘገልገሎ ናይ ቢሮ ኣቑሑት (ቀወምቲ ናይ ቢሮ ኣቁሑት፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ፣ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሑት) ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ፡፡ ስለዚ
1. በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ወይ ከዓ ብደቀቅትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት መግለፂ ደረጃ ትካል ሰርተፊኬት ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን በቲ ዘርፊ ከቅርብ ዝኽእል፣
2. ናይ I ሰርተፊኬት ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል፣
3. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ውሽጢ 7' ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ካብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ ከልዕል ዝኸእል፣
4. ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ፡ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ፣
5. ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 50 (ሓምሳ) ብምኸፋል ካብ ቢሮ ስቪል ሰርቪስ ክልል ትግራይ ወይዘር ህንፃ ዳ/ዳሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 09 ካብ 09/06/2018 ዓ/ም ክሳብ 19/06/2018 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል፣
6. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ንሕድ ሕድ ሰነድ ጨረታ ብር 4,000.00/ ኣርባዕተ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ብሽም ቢሮ ስቪል ሰርቪስ ክልል ትግራይ ብCPO /ብጥረ- ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል፣
7. እቲ ጨረታ ሳንዱቕ ዕለት 19/06/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3፡30 ቅ/ሰዓት ተዓሽጉ በቲ ዕለት ስዓት 4፡00 ቅድሚ ሰዓት ኣብ ቢሮ ስቪል ሰርቪስ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፉይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 09 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብዘለውሉ ይኸፈት፡፡
8. ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
9. ንብረት ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ካብ ዕለት 09/06/2018ዓ/ም ክሳብ ዕለት 18/06/2018 ዓ.ም ካብ ሰዓት 2፡30 ክሳብ ሰዓት 10፡00 ዘሎ ብኣካል መፂእኹም ምርኣይ ትኸእሉ።
10. ዝቐረበ ናይ ጨረታ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን20 መዓልትታት ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸውን።
11. እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝዉገድ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ/ክውስክ ይክእል እዩ፣፣
12. እቲ ንብረት ሰዓርቲ ዝወስድዎ ናይቲ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ ናብ ባንኪ ኣታዊ ምስ ገበሩ ይከዉን፡፡
13. ንዝበለፀ ሓበሬታ ስልኪ ቑፅሪ 0344402431/0344409426 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።