ምልክታ ዋጋ መቅረቢ/ፕሮፎርማ/ 5
ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ኣሞፑል ክዕድግ ስለዝደለየ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ብፕሮፈርማ ኣዋዳዲሩ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ:: በዚ መሰረት እዞም ዝሰዕቡ ረቋሒታት እተማልእ ነጋዲ ክትሳተፉ/ፋ ትኽእሉ/ላ::
መምርሒ ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ
1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም::
2. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ በቲ ዘርፍ ዘለዎ::
3. ናይ ግብሪ ከፈላይ ቁፅሪ /TIN/ ዘለኩም::
4. ናይ መቕረባይነት ምሰክር ወረቐት ክቕርብ ዝክእል::
5. ምስ መወዳደሪ ዶክመንትኹምን ብምትሕሓዝ ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምኳንኩም እናገለፀና መወዳደሪኩም ሽም፣ ኣድራሻን፣ ናይ ትካልኩም ማህተምን፣ ብምግባር ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት 05/06/2018ዓ/ም ክሳብ 09/06/2018 ዓ/ም ሰዓት4.00 ክትቕርቡ/ ክትወዳደሩ ትክእሉ::
6. እቲ ፕሮፎርማ ዕለት 09/05/2018 ዓ/ም ሰዓት4፡30ኣብ ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ቁፅሪ 08 ይኸፈት::
7. እቲ ዝቐርብ ኣሞፑል ፅሬቱ ዝሓለወ ክኸውን አለዎ እንተዘይኾይኑ ግን ተቐባልነት የብሉን::
8. አብ ዋጋ መውሃቢ ሰነድ ስርዝ ድልዝን ግልፂን ዘይኾነ ዋጋ ምምላእ ተቐባልነት የብሉን::
9. ካብዚ ዝተሓተተ ንብረት ወፃኢ ብባዕልኻ ዓይነት ቐይርካ ዋጋ ምምላእ ብፍፁም አይፍቀድን::
10. እዚ ሰነድ ጨረታ ፕሮፎርማ እዙይ ኣብ መንጎ ሰዓራይ ትካልን ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ከም ሕጋዊ ውዕሊ ኾይኑ ሰለ ዘግልግል እቲ ንብረት አብ ኢዶም ምህላዉ አረጋጊፆም ዋጋ ይምልኡ ::
11. ስለዚ ኣነ በዓል ትካል ነዚ ዝተወዳደርኩሱ ስዓራይ እንተኮይነ ነቲ ቤት ፅሕፈት ብዘይምትእጉጓል ኦርጅናል ዝኮነ ኣቕሓን ብስፈሰፊኬሽን መሰረት ንከቕርብ ሓላፍነት ወሲደ ተስማሚዔ ኣለኩ ::
12. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን እቲ ጨረታ ፕሮፎረማ ተራእዪ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 7 ናይ ሰራሕ መዓልቲ ይኸውን::
13. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ፕሮፈርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዪ::
14. ናይ ቤት ፅሕፈትና ቲን ቁፅሪ 0026444876 ከምዝኮነ ንሕብር::
15. እቲ ሰነድ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ቁፅሪ 08 ኣታዊ ትገበር::
16. ንተወሳኺ ሓብሬታ ብሰልኪ ቁፅሪ ☞ - 03 44-41 65 70 ሓዱሽ ህንፃ ፊት ንፊት ርእሰ ምምሕዳር ክ/ትግራይ
| ተቁ | ዓይነት ንብረት | መዕቀኒ | መሃልፂ | በዝሒ መኪና | መኪና | ናይ ሓደ ዋጋ | ጠ/ዋጋ | መብርሂ |
|---|---|---|---|---|---|---|---|---|
| 01 | ኣሞፑል ባዓል 150 Watf | 150 Watt | ቁፅሪ | 10 |