ምልክታ ጨረታ
ተመሪቶም ዘይተሸጡ ካብ ግብኣት ዝተረፉ ጥረ-ኣቑሑትን ዘገልገሉ ንብረታትን ንምሻጥ ዝወፀ ጨረታ
ትካልና ፍረ-ስዉኣት ኢንዳስተሪያል ሓላ/ዝተ/ዉ/ማሕበር ዘገልገሉ ናይ ቢሮ ኣቑሑት ተመሪቶም ዘይተሸጡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምህርቲን ናይ ሓፂመፂን ተረፈ ምህርቲ/እስክራፕ/ ኣጫሪቱ ክሸይጥ ይደሊ። በዚ መሰረት ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ንኽትወዳደሩ
1. ተጫራታይ ናይ 2018 ዓ.ም ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሰ ክኸዉን ኣለዎ፣
2. ተጫራታይ መኸበሪ ጨረታ ብር 40,000.00 (አርብዓ-ሽሕ) ብሽም ፍረ-ስዉኣት ኢንዳስትሪ ኢዳስትሪያል ሓላ/ዝተ/ዉ/ማሕበር cpo ዘትሕዝ ክኸዉን ኣለዎ፣
3. ተጫራቲ ናይ ሕድሕድ ንመሸጣ ዝቐረቡ ንብረታት ናይ ሓደ ኣብ ዝተዋህበ ሰደቓ ክመልኡ ይግባእ ፣ ነጠቕላላ ዋጋን ብግልፂ
4. ተጫረቲ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ(TIN) ሰረቲፊኬት ከቕርቡ ይግባእ ።
5. ተጫረቲ ዘቕርብዎ ዋጋ ቫት ዘሓወሰን ዘይሓወሰን ምዃኑ ብግልፂ ክቕመጥ ይግባእ። እንተዘይኮይኑ እቲ ዝቐረበ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ክም ዝቐረበ ተገይሩ ይወሰድ።
6. ተጫረቲ ካብ ለካቲት 4/06/2018 ዓ.ም ክሳብ ለካቲት 12/06/2018 ዓ.ም ዘይምለስ ብር 200.00 እናኸፈልኩም እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ትካልና ፋይናንስ ክፍሊ ኣብ ስራሕ ሰዓት መፂኢኹም ክትዕድጉ ይግባእ።
7. ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ ዋጋ ብፖሰታ ዓሺጎም ማሕተም ብምዕራፍ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ክሳብ ለካቲት 12/06/2018 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ኣታዊ ክትገብሩ ይግባእ
8. ጨረታ ለካቲት 12/06/2018 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ ኣብቲ ዕለቱ ንጉሆ ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉዎ ይኸፈት
9. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ኣብቲ ጨረታ ንዝተዘርዘሩ ንብረታት ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 7 ማዓልቲ እቲ ጠቕላላ ዝሰዓረሉ ዋጋ ምስ ከፈለ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ካብ መኽዝና ከልዕሎ ይግባእ ።እንተዘይ ኣልዒሉ ቅድም ኢሉ ዘትሓዞ ናይ CPO ገንዘብ ብር 40,000.00 ናብ ትካልና ኣታዊ ተገይሩ ናብቲ ቀፂሉ ዝሰዓረ ተጫራታይ ወይ እቲ ጨረታ ተሰሪዙ ካሊእ ኣመራፂ ክንጥቀም ንኽእል ኢና
10. በዝሒ ናይቲ ንጨረታ ዝቐረበ ንብረት ክዉስኸን ክቕንስን ዝኽእል ምዃኑ ኣሚኑ ክሳተፍ ፍቓደኛ ዝኾነ
11. ተጫራታይ ናብ ትካልና ብምምፃእ ናይቲ ንብረት ትሕዝቶ ብኣካል ብምርኣይ ናይ ሕድሕድ ንብረት ዋጋ መሊኡ ናይ ምጭራት መሰል ኣለዎ
12. ትካልና እቲ ንጨረታ ዝወፀ ንብረት ናይ ምፅጋን ወይ ናይ ምምሕያሽ ኮነ ትሕዝትኡ ናይ ምልዋጥ ግዴታ የብሉን
13.ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ።
ኣድራሻና ከተማ መቐለ ዓይደር ክባቢያዊ ምምሕዳር ጥቓ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ዘሎ መዐደሊ ነዳዲ ንዉሽጢ እትዉ ኢልካ ይርከብ ስልኪ-0914727888/0913012106