ቑፅሪ ተ6-4/6ለ/306
ዕለት 02/06/2018ዓ/ም
ምልክታ ግልፂ ጨረታ ናይጨ.ቁ-G-01/2018
ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን ክልል ትግራይ ኣብ ናይ 2018 ዓ/ም በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ናይ ጉድኣት ኣካል ሓገዝቲ ናውቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ይደሊ። ስለዙይ እዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትጫረቱ ብግልፂ ጨረታ ይዕድም፡፡
1. ኣብ ናይ ጉድኣት ኣካል ሓገዝቲ ናውቲ ዝሳተፉ ትካላት ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ን/ፍቓድ፣ መቅረባይነት፣ ናይ ነጋዳይ መፍለዪ ቁፅሪ /TIN/ን ዘለዎም እንትኾኑ ንተወሳኺ እሰት ታክሲ /AT/ ዝተመዝገቡ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ ዝሓለፈ 3 ወርሒ ወይ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ዘሎ ሓደ ወርሒ ቫት ዲክለሬሽን ከቕርቡ ይግባእ።
2. ናይ ጉድኣት ኣካል ሓገዝቲ ናውቲ ጨረታ መኽበሪ ብር 30,000 /ሳላሳ ሽሕ ብር/ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና፣ ብዘይ ሰዓር ሌተር ኦፍ ክረዲት ዝቐርብ ውሕስናን ጥረ ገንዘብ ወይ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ናይ ክፍሊት ትእዛዝን።
3. ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ንጉድኣት ኣካል ሓገዝቲ ናውቲ ዘይምለስ ብር 100 /ሓደ ሚኢት ብር/ ብምኽፋል ካብቲ ቢሮ ትወስዱ ትኽእሉ።
4. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 17/06/2018 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ቅድሚ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት 17/06/2018 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ይኸፈት።
5. ጨረታ ወፂኡ ካብ ዝቃለሐሉ ዝልጠፈሉ ዕለት ጀሚሩ ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር ረቕሓ /ስፐሲፊክሽን/መሰረት ካብ ዕለት 03/06/2018 ዓ/ም ክሳብ 17/06/2018 ዓ/ም ኾይኑ በ ምስተገዝአ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ብክልተ ፖስታ ዘቕርብ ኾይኑ እቲ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ጊዜ 15 መዓልቲ ይኸዉን።
6. ኣድራሻና ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ኣብ ኮምፕሌክስ ናይ ሓባር ህንፃ፣ ህንፃ 1/Block 1/ ኣብ 1ይ ደብሪ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን እዩ።
7. እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኸፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡
8. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342400158 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል'ዩ።
ቕዳሕ
• ንቤት ምኽሪ ንግዲ ከ/መቐለ
መቐለ፤
'ምስ ሰላምታ
ጠዓሙ ሓየሎም መገለ ዳይረክተር ዳይረክቶሬት ፋይናንስ
ዕደጋን ንብምምሕዳርን