መጉልሂ ድምፂ : ምንፃፍ : ፅሬት ኣቅሑት ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
ኣብቲ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ካብ 29/5/2018 ዓም ክሳብ 13/6/2018 ዓም ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ኣብቲ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናስን ወረዳ ሰለዋ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን እነመፃእኩም ብመዉሳድ ክትጫረቱ ንዕድም
1 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል
2 መረዳእታ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ከቅርብ ዝክእል
3 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ወርሒ ጥቅመቲ 2018 ዓም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
4 ናይ 2018 ዓም ናይ መቅረባይነት ዝተሐደሰ መረዳእታ ዘቅርብ
5 መከበሪ ጨረታ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
6 ጨረታ ሰዓራይ ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ 10 ሚእታዊ ቅድሚ ዉዕሊ ምእሳሩ መከበሪ ዉዕሊ ከትሕዝ ዝክእል
7 ካብ ናይ መረከቢ መዓልቲ ዘሕለፈ ሰዓራይ በቢ መዓልቲ 1000 ቅርሺ ዝቅፃም ምኮኑ
8 ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምጭብርባር ዝፈተነ ተወዳዳሪ ብሕጊ ተሓታቲ ከምዝኮነ
9 ኣብ ሰነድ ጨረታ ግልፂ ዘይኮነ ብፅሑፍ ምሕታታ ከምዝከኣል
10 እቲ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎን ናይ ተጫራቲ መህተምን ፊርማን ኣብሕድሕድ ገፅ እንተዘይዓሪፍዎ ካብቲ ጨረታ ይስረዝ
11 ጨረታ ሰነድ ሐደ ዋና ምስ ቅዳሕ በብበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ክቀርብ አለዎ
12 እዚ ዋጋ ን 15 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ምኮኑ
13 ንዝቀረበ ፅሕፈት መሳርሒ ብባዓል ዋና ወይ እዉን ኮሜቴ ፅሬት መረጋገፂ ኣቅሓ ተረጋጊፁ ዝኣትዉ እንትከዉን ዝተባላሸዉ ዘይተኣመነሉ ንብረት ብናይ ባዕሉ ወፃኢ አብ ዉሽጢ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዋና ከረክብ ዝክእል ብተወሳኪ ድማ ኣብ ፕሪንተር ቀለም ናይ ሽድሽተ ወርሒ ዉሕስና ዝህብ ምካኑ
14 ተጫራታይ እቲ ንብረት መጎዓዝያ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ስለዋ ከይዲ ስራሕ ዕድጋ ንብረት ምምሕዳርን ከረክብ ዝክእል
15 ኣብ ዝተገበረ ጨረታ በጀት መሰረት ብምግባር ናይ በዝሒ 20 ሚእታዊ ምዉሳከ ወይ ምቅናስ ከምዝከኣል እዩ
16 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ 14/6/2018 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:30 ተረጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት
17 መጉልሂ ድምፅን ምንፃፍን ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ 14/6/2018 ዓም ሰዓት 5:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:30 ተረጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት
18 ንፅሬት ኣቅሑት ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ 14/6/2018 ዓም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ተረጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት
19 አብ ጨረታ ሳነዱቅ ዘአተወ ሰነድ በዓል ዋና ይሃልዉ ኣይሃልዉ ቤት ፅሕፈትና ናይ ምክፋት መሰል አለዎ
20 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ