ቑዕሪ፡ደ/ከ/ስ/ዕ/ምም/ን/264/2018
ዕለት፡- 02/06/2018ዓ/ም
ቀጥታ ክራይ መሳርሒ ዝወፀ ምልክታ
ንኹልኹም መቕረብቲ ክራይ መሽነሪታትን ተሽከርከርትን
ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ተሽከርከርቲ ተካርዩ ክሰርሕ ስለዝደለየ በቲ ኣብ ታሕቲ ተገሊፁ ዘሎ ንሕድ ሕድ ዋጋ ከካሪ ዝደሊ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎ ኣብ ዝመረፆ ነተኣናግድ ምዃና ንገልፅ፤
| ተ/ | ሽም ቦታ | ዓይነት መሸን | በዝሒ ዝድለይ መሳርሒ | ዝተጥቀመሉ ነዳዲ | ናይ ዝሰራሕ ሰራሕ መዐቀኒ | ናይ ስራሕ መጠን | ነዳዲ ከይሓወሰ ናይ ሓደ ዋጋ ምስ ቫቱ |
|---|---|---|---|---|---|---|---|
| 1 | መቐለ | ንእሽተይ መኪና | 3 | 7 ኪ/ሜ ብ1 ሊትር | ብመዓልቲ | 90 | 2,200.00 |
1) ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ዓይነት መሳርሒ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን እንዳቐረብኩም ሪፖርት ክትገብሩ ንሕብር፤
2) መሳርሒ መቕረብቲ ኣግባብነት ዘለዎ ብግልፂ ዝንበብ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ ፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቑፅሪ ፣ ናይ ንግዲ ዘርፍን(መቕረባይ) ካሊእ ኣድላይ መረዳእታን ዘቕርብ፤
3) እተን መሳርሕታት ዝተሓደሰ መንጃ ፍቓድ፣ 3 ወገን፣ ሊብረን ካላውዶን ዝገበራ ምዃንን መረዳእታ ምቕራብ
4) እተን ክራይ መሳርሒ ኣብ መቐለ ዋና ቤ/ፅ/ ኢ/ስ/መ/ት ኣትየን ፅርየተን ምስተረጋገፀ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ወሲዱ ስራሕ ንምጅማር ቕቡል ዝገብር፤
5) ቐዲሙ ዝመፀ ተወዳዳራይ ቕድሚያ ብምሃብ ውዕሊ ኣሲሩ ናብ ስራሕ ክዋፈር ይግበር፤
6) ናብ ስራሕ ቦታ መቐለ መኸድን መምለሲን ነዳዲ ብመካረዪ ዝሽፈን ኮይኑ ኣብቲ ስራሕ ቦታ ምስ ኣተዋ ግን ብኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ይሽፈን፤
7) እቲ ኢንተርፕራይዝ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤
ሓበሬታ ፡--እዚ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 02-05 /06/2018 ዓ/ም ይኸዉን