ቤት ፅሕፈት ትልምና ፋይነስን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ

እተን ሐባር ዒላ ኣበይ ከምዝስራሕን ንምስራሕ ዘድሊ በዝሒ መዓልትን መዋደደሪ ረቆሒ ቀፂሉ ቀሪቡ ዓይነት ስራሕ ሓባር ዒላ በዝሒ ሓሙሽተ ዝስረሐሉ ጣብያ ማይ ኣድራሻ ቁሸት ዓዲቁምሮ ፍሉይ ቦታ ዝተፈላለዩ ቦታታት ንህንፀት ዘድሊ መዓልቲ 60 መዓልቲታት ደረጃ በወይ ድማ ብርኪ ደቀቅቲ ንግዲ ትካላት ብርኪ 8 ዝኮነ ፍልፍል በጀት ኤስኤልኢም ንደቀቅቲ ንግዲ ትካላት ብርኪ 8 ዘለኩምን ከቅርብ ዝክእል ቴክኒካል መለክዒታት ናይ ሓባር ዒላ ህንፀት

2 ቴክኒካል ዓቅምን ልምዲ ስራሕን ናይ ኮንትርክተር ኣብ ዝሐለፈ 7 ዓመትታት ካብ 2011 ዓም ክሳብ 2017 ዓም ብኮንትራክት ወይ ብከፊል ኮንትራክት ኣብ ናይ ማይ ተንከፈ ስራሕቲ እንተናአሰ ኣብ ክልተ ፕሮጀክታት ንሕድሕዶም እንተናአሰ 400000 ዉዕሊ ኣሲሩ ብፅሬት ሰሪሑ ከምዘረከበ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

3 15 ሚእታዊ ንህንፀት ማይ ዘድሊ መሳለጢ ናዉቲ ነቲ ስራሕ ኤክስካቫተር ጃክሃመር 10 ሜትር ጥልቀት እትክእል ናይ ባዕሉ እንተኮይነ ናይ መኪና ሌብሪ ከቅርብ ዝክእል ኪራይ እንተኮይና ድማ ዉዕሊ ናይ 2018 ዓም ምስናይ ባዕል ዋና ሌብሬ ተታሓሒዙ ክቀርብ አለዎ

4 20 ሚእታዊ ኮንክሪት ሚክሴር ናይ ባዕሉ እንተኮይና ዋንነት ደረሰኝ ከቅርብ ዝክእል ኪራይ እንተኮይና ድማ ዉዕሊ ናይ 2018 ዓም ምስናይ ባዕል ዋና ዋንነት ደረሰኝ ተታሓሒዙ ክቀርብ አለዎ

5 15 ሚእታዊ ኪንክሪይ ቫይቨሬተር ናይ ባዕሉ እንተኮይና ዋንነት ደረሰኝ ከቅርብ ዝክእል ኪራይ እንተኮይና ድማ ዉዕሊ ናይ 2018 ዓም ምስናይ ባዕል ዋና ዋንነት ደረሰኝ ተታሓሒዙ ክቀርብ አለዎ

6 15 ሚእታዊ ማይ መምጠጢት ታንከር ዲ ወተሪንግ ፓምፕ ክሳብ 8 ሜትሮ ጥልቀት ንምምጣጥ ዝክእል ንዉሓት ጉረሮ ዘለዎ ናይ ባዕሉ እንተኮይና ዋንነት ደረሰኝ ከቅርብ ዝክእል ኪራይ እንተኮይና ድማ ዉዕሊ ናይ 2018 ዓም ምስናይ ባዕል ዋና ዋንነት ደረሰኝ ተታሓሒዙ ክቀርብ አለዎ

7 15 መእታዊ ፋይናንስ መለክዕታት ዓቀሚ ተጫረቲ አብ ዝሐለፈ ዓመት 2017 ዓም ጠቅላላ ምንቅስቃስ ባንኪ እንተናአሰ ሐደ ሚልዩን ቅርሺ ናይ ሓሳብ ትራንዛክሽን ከምዝነበሮ ካብ ሕጋዊ ባንኪ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል ወይ ንዚ ተመጣጣኒ ዝኮነ ልቃሕ ክረክብ ከምዝእል ካብ ባንኪ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል ልቃሕ እንተኮይኑ ድማ ባንኪ ዝገመቶ ገዛ ወይ ሃፍቲ ነዚ ተመጣጣኒ ዝኮነ ከምዘለዎ ደብዳቤ ክፃሕፍ አለዎ

8 10 መእታዊ ናይ ስራሕ ትልሚ ወርክ እስኬጅዉል ምስ ጨረታ ሰነድ ከቅርብ ዝክእል

9 10 ሚእታዊ ኣብ ላዕሊ ዝተቀመጠ ቴክኒካል መዓቀኒታት ቅድም ክብል ዝተቀመጠ ቴክኒካል መለክዒታት ነጥብታት 75 ሚእታዊ ልዕሊኡን ዝረከበ ተወዳዳራይ ናብ ፋይናንሻል ይሓልፍ

10 ክቀርቦ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ንግዲ ፍቃድትን ክማልኡ ዘለዎንን ብማይ ተንከፍ ክንስትራክሽን ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎን ከቅርብ ዝክእል

11 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ብማይ ተንከፍ ከቅርብ ዝክእል

12 ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ናይ ምዝገባ ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝክእል

13 ናይ ወርሒ ሕዳር ወይ ታሕሳስ 2018 ዓም ቫት ሪፖርት ማለት ዲክለሪሽን ከቅርብ ዝክእል

14 ናይ ግብሪ ከፋሊ ቲን ናምበር ከቅርብ ዝክእል

15 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ምስክር መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል ወይ ኣብ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ኣብ ዘዳለዎ መርበብ ሓበሬታ ዝተመዝገበ ምካኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

16 ተወሳኪ ሐበሬታ ተወዳዳር ቴክኒካል ሰነድ ከማልእ አለዎ

17 ቴክኒካል መዓቀኒ 95 ሚእታዊን ዝረከበ ተወዳዳራይ ናብ ፋይናንሻል ይሐልፍ ዝተሐተ ዋጋ ዝአተወ ሰዓራይ ይከዉን

18 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 30 ተከታታሊ መዓልቲታት ይከዉን

19 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ቁፅሪ 17 ዘይምለስ 500 ቅርሺ ብምክፋል እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 11/6/2018 ዓም ሰዓት 11:30 ኣብ ስራሕ ሰዓት እንዳመፃእኩም ክትወስዱ ከምትክእሉ ንዕድም

20 ሰነድ ጨረታ ዝሐዘ ሳንዱቅ 12/6/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት ይኩን ዳእምበር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ብዘይምርካቦም ከይዲ ምክፋት ጨረታ ኣይተአጎጎልን

21 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342440307