ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ዉቕሮ ቅድስት ማርያም ኮለጅ ንልምዓት ፕሮግራም ዝውዕል ናይ ብሶላር ዝሰርሕ ማይ ኳዕቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡
በዚ መሰረት ዝምልከቶም መቕረብቲ በዚ ዝስዕብ ናይ ጨረታ ረቋሓታት መሰረት ክወዳደሩ ንዕድም፡፡
1. ናይ ቫት ተመዝገብቲ ምዃኖም መረዳእታ ዘቕረቡን ናይ ወርሒ ሕሳስ 2018 ዓ/ም ናይ ቫት ዲክላራሴን ዝገበርሉ መረዳእታናን ዘቕርቡ፣
2. ናይ 2018 ዓ/ም ንግድን ሞያን ፍቃድን ዘሓደሱ ምዃኖም መረዳእታ ዘቕርቡ፣
3. ናይ 2018 ዓ/ም ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘሓደሱ ምዃኖም መረዳእታ ዘቕርቡ፣
4. ናይ ብቕዓት መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ረዳእታ ዘቕርቡ ፣
5. ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ብባንክ ዝተረጋገ ሰርተፊኬት CPO 60000 / ስልሳ ሺሕ/ ዘቕርቡ፣
6. ብቢሮ ኤጄንሲ ልምዓት እቶት ናይ ግብሪ መለለይ ካርዲ/ቲን/ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ዘቕረቡን ኣብ መቕረባይ ዝርዝር ዝተመዝገበ ምዃኖም ምስክር ወረቐት ዘቕርቡ፣
7. ናይ ጨረታ ሰነድ ንሕድ ሕድ ዘይመለስ ብር 300 ከፊሎም እዚ ምልከታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 29/05/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 07/06/2018 ዓ/ም ሰዓት 9፡00 ናይ ድ/ሰዓት አብዘሎ ናይ ስራሕ ስዓት ዓዲጎም ነፀላን ጠቕላላ ዋጋን መሊኦም ክቢ ማህተም፣ ፊርማን ሽም ድርጅትን ዓሪፍዎ ብሽምዒያ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ይገበሩ፣
8. ጨረታ ምስተኸፈተ ተጫረቲ አብ ዘቕረብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለዉጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ካብ ጨረታ ነብሶም ምግላልን አይኸእሉን፣
9. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት 07/06/2018 ዓ/ም ሰዓት 9፡00 ድ/ሰዓት ተዓሽጉ 9:30 ዝኽፈት ኮይኑ ተወዳዳርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም እንተሃለዩ ይምረፅ፣
10. ተጫረቲ አብ ጨረታ ሰነድ ዝተቐመጠ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮይነሎም መብርሂ ወይ መማሓየሺ ሕቶ ከቕርብ ዝኽእል ጨረታ ዝኸፈተሉ እዋን ቅድሚ ምብፅሑ ይኸዉን፣
11. ጨረታ ተዓዋቲ ዝኾነ ኣብ ዉሽጢ 5* ናይ ስራሕ መልዓልቲ ቐሪቡ ዉዕሊ ይአስር፣ እንተዘይኣሲሩ ንጨረታ መኸበሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካልና ኣታዊ ይኸዉን፣
12. እቲ ትካል ጨረታ ምስተኸፈተ ከምአድላይነቱ ናይቲ ዝግዛእ ኣቁሑት መጠን ክሳብ 25% ክቅንስን ይኸእል፣
13. ዝሸነፍዎ ንብረት መቕረብቲ ብናይ ባዕሎም ናይ ትራንስፖርት ወፃኢ ናብ ትካልና ኣታዊ ይገብሩ፣
14. እቲ ትካል እዚ ጨረታ ዘየዋፅእ ተኾይኑ ብኸፊል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ፣
15. ኣብ ልዕሊ ተጫረቲ ተደሪብካ ምእታዉ አይካኣልን፣
16. ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣
17. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብልኪ ቁፅሪ 0914783327/0919040469 ደዊሎም ክረኽቡና ይኸእሉ፡፡