ኒኮላስ ሮቢንስን ቤት ትምህርቲ

ምልክታ ጨረታ

ቤት ትም/ቲ ኒኮላስ ሮቢንሰን ንዘበነ ትም/ቲ 2018 ዓ/ም ንቤት ትምህርትና ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ኮምፒተር ጠረጴዛ ካብ መቕረብቲ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ _ እዚ ንብረት ንምቅራብ ዝስዕቡ ረቓሒታት እተማልኡ ነጋዶ ኣብቲ ጨረታ ንክትሳተፉ ንዕድም።

○ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ እዚ ዘመን (2018 ዓ/ም) ዘለዎም

○ ምስክር ወረቀት መቅረባይነት ዘቕርቡ

○ ቲን ቁፅሪ ዘለዎ

○ ቫት (VAT) ምዝጉባት ኮይኖም ሕጋዊ ደረሰኝ ዘቕርቡ

○ ሰነድ ጨረታ ብር 300.00 ብምኽፋል ካብ ቤት ት/ትና ተሓዚት ገንዘብ ምዕዳግ ይከኣል።

○ ንመክበሪ ጨረታ ካብ ዘቕርብዎ ጠቅላላ ዋጋ 2% ብ CPO (ሲፒኦ) ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል ኮይኑ እቲ CPO (ሲፒኦ)ኣብ ውሽጢ እቲ ጨረታ ዝሓዘ ፖስታ ተዓሸጉ ይቐርብ ።

○ ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ካብ 29/05/2018 ዓ/ም ክሳብ 10/06/2018 ዓ/ም ሰዓት 9፡00

○ ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 10/06/2018 ዓ/ም ሰዓት 9፡15 ተዓሸጉ በቲ ዕለት 9፡30 ይኽፈት፡፡

○ ሰዓራይ ንዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ናብ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ንብረት ክፍሊ የእትዉ።

መብርሂ:-እቲ ትካል እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

○ እዚ ከም ውዐሊ ኮይኑ ከገልግል ይክእል እዩ።

ኣድራሻና፡- ዓዲ ሽምዱሑን ካብ ህንፃ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ንታሕታይ እትው ኢልካ ጎኒ ዩኒቨርስቲ ኮለጅ ኣድማስ

ንዝበለፀ ሓበሬታ

○ ቁፅሪ ስልኪ 03 42 40 01 38

መብርሂ: -

o ዝቐርብ ዋጋ ቫት (VAT) ሐዊሱይቅመጥ፡፡

o እቲ በዝሒ ክዉስኽ ወይ ክንኪ ይኽእል፡፡