ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ -24
ንኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ዕሬት አቁሑት ብምልጣፍን ብምብታንን ዝወፀ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
በዚ መሰረት ክትወዳደሩ እትደልዩ መቅረብቲ ትካላት
• ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቃድን መቅረባይነትን ዘለኩም።
• ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TI/ መረዳእታ ከቅርብ ዝኸእል።
• ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /Specification/ መሊኡ ከቅርብ አለዎ።
• መቕረብቲ ካብ ዕለት 28/05/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 03/06/2018 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ሰነድ ፕሮፎርማ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ።
• ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 04/06/2018 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተወዳደርቲ ወይ ተወከልቶም አብ ዘለዉሉ ይኸፈት እዚ ፕሮፎርማ ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም እንተዘይ ተረኺቦም ንምኸፋት ዝዓግቶ የለን።
• ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ አብቲ ኤጀንስና አብ ዘዳለዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ክመልኡ አለዎም ።
• ኣብዚ ፕሮፎርማ መማረፂ ንብረት ምቅማጥ አይፍቀድን
• አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን
• ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ፕሮፎርማ ማህተም ናይ ድርጅቶም ክዓርፎ አለዎ
• ኤጀንስና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ ፣፣
ኣድራሻና፥ ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ አብ ግራዉንድ ቢሮ ቁፅሪ 1 ወይ ዕደጋ ክፍሊ
ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 63 80 አብ ስራሕ ሰዓት ምድዋል ይካኣል ።