ቑጽሪ፦ ኤ/ስ/ም/ወ/ኩ/3528/ዕ/ፋ/ም/ን/18
ዕለት፦ 25/5/2018
ቑጽሪ ፕሮፎርማ፦ 0012/2018
ን2ይ ምልክታ ጨረታ ፕሮፎርማ
ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ትግራይ ካብ UNICEF ብሓገዝ ዝተረኸበ ገንዘብ ንምዝገባ ወሳኒ ኩነት ዝውዕል መሳርሒ ፅሕፈት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ በዚ ዘርፊ ዝተዋፈርኩም መቕረብቲ ክትወዳደሩ ይዕድም።
| ተቁ | ዝርዝር ንብረት | መግለጺ | መለክዒ | በዝሒ | ናይ ሓደ ዋጋ ብብር | መብርሂ |
|---|---|---|---|---|---|---|
| 1. | ፎቶ ኮፒ ወረቐት A4 | 80 ግራም | ደስጣ | 50 | ብመርኣያ (sample) | |
| 2. | ካርቦን ኮፒ ቀዳማይ ደረጃ | 8000 | ደስጣ | 32 | ብመርኣያ (sample) |
ረቋሒታት፦
1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለዪ ቁፅርን (TIN) ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቐትን (Certificate) ዘለዎን ኮፒ ገይሩ ዘተሓሕዝን፣
2. በቲ ዝቐረበ ሕቶ ድልየትን ብዝቐረባ መርኣያ (sample) መሰረት ዘቅርብ፣
3. ሰዓራይ ዝኾነ መቅረቢ እቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ናብ ኤጀንሲ ሰታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ኣታዊ ዝገብር፣
4. ናይ'ዚ ፕሮፎርማ ዋጋ ጸኒዑ ዝጸንሓሉ እቲ ጨረታ ካብ ዝኽፈት ን7 መዓልቲ ምዃኑ፣
5. እዚ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 25/5/2018 ዓ/ም ክሳብ 28/5/2018 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ክፍቲ ኾይኑ፤ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ተዓጽዩ ልክዕ 4:30 ናይ ንጉሆ ድማ ይክፈት።
6. ዝተዳለወ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 25/5/2018 ዓ/ም ጀሚርካ ካብ ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ትግራይ ከይዲ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ምውሳድ ይኸኣል።
7. እቲ ዝተምለአ ዋጋ ፕሮፎርማ ፌርማን ናይ ትካል ማህተምን ክዓርፎ ብምግባር ብፖስታ ተዓሺጉ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ክኣቱ ኣለዎ።
8. እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕል ኾይኑ የግልግል፣
9. ኤጀንስና ነዚ ፕሮፎርማ ብኽፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
10. ኣድራሻ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ መስመር ጎደና ሰማእታት ኣብ ዝርከብ ህንጻ ወይዘር 4” ደብሪ ቁጽሪ 16። ግምባር ዋና ቤት ጽሕፈት ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት። ንዝበለጸ ሓበሬታ ብቁጽሪ ስልኪ 0342403254/0342402362 ኣብ ስራሕ ሰዓት ደዊልካ ምርካብ ይከኣል እዩ።