ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ኤሌክትሪክ ኣቁሑት

ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ን ቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት ዝውዕሉ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ነቲ ዝተቀመጠ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም፤

1. ተጫረትቲ በቲ ዘርፊ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ናይ ግብሪ ከፋሊ ምስክር ወረቀት (TIN)፣ ኣብ ናይ መንግስቲ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖም ምስክር ወረቀትን ናይ ቫት ሰርቲፊኬትን ኮፒ ከምእተቅርቡ ምፍላጥ የድሊ።

2. ተጫረትቲ ብር 30,000(ሰላሳ ሽሕ)ናይ ጨረታ መኽበሪ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ናይ ክፍሊት መአዘዚ (cpo) ወይ ድማ ኣብ ኹነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ብሽም ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ከትሕዙ ዝኽእሉ፤ካብዚ ወፃኢ ጥረ-ገንዘብ ከምዘይንቅበል ነፍልጥ።

3. ተጫረቲ ናይ ድርጅቶም ማህተም ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ብንፁር ብምግባር ኦርጅናል ዶክመንትን ሲፒኦን(CPO) ኣብ ሓደ ፖስታ ዓሽጎም ከቅርቡ ኣለዎም።

4. ተጫረትቲ ዘይምለስ ብር 300(ሰለስተ ሚእቲ) ብምኽፋል ሰነድ ጨረታ ካብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ቢሮ ክፍሊ ዕደጋን ፋይናንስን ምውሳድ ይኽእሉ።

5. እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 25/05/2018 ክሳብ 30/05/2018 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ሳዕን ጨረታ ዕለት 30/05/2018 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ትካልና ይኽፈት። ተጫረትቲ ብናይ ባዕሎም ድሌት ኣብ ስነ ስርዓት ምኽፋት ጨረታ እንተዘይተረኺቦም ትካልና ጨረታ ሰነድ ናይ ምኸፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

6. ትካልና ብድሌቱ ክሳብ 20% መጠን እቲ ጨረታ ብዘይ ናይ ዋጋ ምምሕያሽ ክውስኽ ወይ ክቅንስ ይኽእል፤

7. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

ኣድራሻና: -መቐለ ኣብ ሮማናት ኣደባባይ ባንኪ ኣቢሲንያ ዝርከበሉ ህንፃ 3ይ ደብሪ ንርከብ