ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ ኣፅቢ

1ሕጋዊ ፈቃድ ንግዚ ዘለዎን ናይ 2018 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዝሐደሰን ቲን ናምበር ዘለዎን አብ መቅረባይነት ዝተመዝገበን ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓም ዲክለር ዝገበረን

2 ተጫረቲ ዝመልእዎ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ክከዉን አለዎ

3 ናይ ጨረታ መክበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ብጥር ገንዘብ ንፅገና መስመር ሕድስት መስመርን ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ፉቲንጋትንን ኤችድፒኤ ትቦን መገጣጠምን 30000 ብር ብሽም ቤት ፅሕፈትና ከትሕዝ ዝክእል

4 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ ኣፅቢ ኣብ ጥቃ ንግዲ ባንኪ ኢትዩጰያ ኮይኑ ቢሮ ቁፅሪ 2 ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳርን ዘይምለስ 200 ብር ከፊልኩም ትወስዱ

5 ተጫረቲ ነጋዶ ነቲ ዓይነት ንብረት ብንፁር በቲ ዝወፀ እስፐስፈኬሽን ናይ ሐደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ መሊኡ ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ዓሺጎም ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ተባሂሉ ኣብ ፖስታ ይፀሓፍ

6 እቲ ጨረታ ብዝተፈላለየ ምክኒያት ከዛብዕ ዝሞኮረ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጨረታ ወፃኢ ገይሩ ዘትሓዞ ትሕጃ ናብ ቤት ፅሕፈት ካዝና ኣታዊ ብምግባር ንቀፃላይ ከሳተፉ ይገብር

7 ተጫረቲ ድሕሪ እቲ ናይ ጨረታ ሳነዱቅ ምከፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፈቀድን ከምኡ ንዘበለ ናብ ቤት ፅሕፈት ኣታዊ ይከዉን

8 ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ኦርጀናልን ኮፒን ኣብ ዝባን ዝተዓሸገ ፖስታ ሽምን ፊርማን ማህተምን ቁፅሪ ስልክን ከስፈሩ አለዎም

9 ናይ ባዕልካ እሰፐስፊኬሽን ምፅሓፍ ምምላእን ኣይፍቀድን

10 ቤት ፅሕፈትና 25 ሚእታዊ ናይቲ ዝተስዓረ ንብረት መጠን ናይ ምዉሳክን ምንካይን መሰሉ አለዎ

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን30 መዓልቲታት ይከዉን

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ 20/5/2018 ዓም ክሳብ 11/6/2018 ዓም ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት እቲ ጨረታ 11/6/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይከፈት

14 ኣብቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቀሰ ሰዓት ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም እነተይተረኪቦም ቤት ዕዩና ጨረታ ፖስታ ምክፋት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

15 ተጫረቲ ምስዓሮም ምዝሰተነገሮም ድሕሪ ሰለሰተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

16 ቀዳማይ ሰዓራይ ብተጨረታ መመርሒ መሰረት ዉዕሊ እንተዘይኣሲሩ ቤት ፅሕፈትና ንካልኣይ ሰዓሪ ዉዕሊ ዝአስር ምካኑ ዘሐሸነፈ ተጫራታይ ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳሩ ኣብ ዉሽጢ 7 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈትና ብናይ ባዕሉ ትራንሰፖርት መፅዓንን መራገፍን አታዊ ይገብር

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914401313 0914411872