ቃላሚኖ ኢንቨስትመንት ማእከል

ምልክታ ግልፂ ጨረታ መሸጣ ፀባ

ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝመሓደር ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ካብ ዘለዎ ሙሩፃት ዓሌት ኣላሕም ዝፈረየ ምህርቲ ፀባ ካብ 250-350 ሊትር ዝግመት በቢ ወርሑ ንውልቀ ሰባት ይኹን ማሕበራት ኣውትሶርስ / ንደገ ምሻጥ/ ንሰለስተ ዓመት በቢ ዓመቱ ዝሕደስ ብምሻጥ ውዕሊ ክኣስር ይደሊ:: በዚ መሰረት ኣብዚ ኣካላት ዝስዕብ ሮቓሒ እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም

➢ ብ ጉጅለ ይኹን ብውልቀ ክወስዱ ዝኸእሉ

➢ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ

➢ ናይ 2ተወርሒ ናይ ፀባ ክፍሊት ኣቀዲሙ ክኸፍል ዝኽእል ብድሕሪ ድማ ነናይ ሓደ ወርሒ ቅድመ ክፍሊት እናኸፈለ ክወስድ ዝኸእል

➢ ናይ ጨረታ መኸበሪ 20,000.00 (ዕስራ ሽሕ በር) ብሽም ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝኸእል

➢ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 200.00 (ክልተ ሚኢቲ ቅርሺ) ብምኽፋል ካብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ቢሮ ቁፅሪ 2 ምውሳድ ይኸእሉ

➢ ተጫረትቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ 22/5/2018-6/6/2018 ዓ/ም ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ

➢ እቲ ጨረታ ዕለት6/6/2018 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ናይ ንጉሆ ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ተጫረትቲ ወይ ድማ ሕጋዊ

➢ ዝርዝር ድሌት መግለፂ ቤት ፅሕፈትና ካብ ዘቅርቦ ናይ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ወፃኢ ዋጋ መሊኡ ዘቅርብ ተቀባልነት ዘይብሉ ምዃኑ

➢ ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ፡፡

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቁ ስልኪ 0914731592 ወይ 0914784453 ምሕታት ይከኣል