ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ

ቁፅሪ ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን/ 39/35

ዕለት 20/5/2018ዓም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ ንምምሃር ምስትምሃር ዘገልግሉ ኣቑሑት ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ተወዳደርቲ ይዕድም።

ሀ) ናይ ስእሊን ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት

2) ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት

3) ናይ ሙዚቃኣቑሑት

4) ናይ ኤለትሪክ ኣቑሑት

አብቲ ጨረታ ዝሳተፍ ኣቕራቢ ከማልኦ ዝግባእ ሮቛሕታት

1) ምስቲ ዘቕርቦ አቑሑ ተዛማድነት ዘለዎን ሕጋዊ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ከቐርብ ዝኽእል።

2) ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ (TIN) ዘለዎን ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኾነን፣

3) ቕድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ብር) ብናይ ኢትዮጲያ ብሄራዊ ባንኪ ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ባንክታት ስ.ፒ.ኦ ምቅራብ ዝኽእል ወይ ብጥረ ገንዘብ የትሕዝ።

4) አሸናፊ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ዘሸነፈሉ ንብረት ዋጋ 10% ውዕሊ መኽበሪ አትሒዙ አብ ውሽጢ 3 መዓልትታት ውዕሊ ኣሲሩ እቲ ዘሸነፎ ንብረት አብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዝያ ናብ ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ እቲ ንብረት አታዊ ክገብር ዝኸእል።

5) ንጨረታ ሰነድ መግዝኢ ብር 50.00 ዘይምለስ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ ዳዳ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ካብ ዕለት 20/05/2018ዓ/ም ክሳብ ዕለት 11/6/2018ዓ/ም ጨረታ ሰነድ ብምውሳድ ናብቲ ንጨረታ ሳንዱቕ ዝተዳለወ አታዊ ክገብር ኣለዎ፡፡

6) ጨረታ ሳንዱቕ ዝዕሸገሉ ዕለት 11/6/2018ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ኮይኑ ጨረታ ሳንዱቕ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 11/6/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ይኸውን።

7) አብ መንግስታዊ ቤት ዕዮ አብ ዝፍፀም ግዝኢት ንምስታፍ ኣብ ናይ አቑሑትን ግልጋሎትን መቅረብቲ ምዃኖም ዘረጋግፅ መለለዪ ካርዲ ዘለዎ ኮፒ ገይሮም ከተሓሕዙ አለዎም።

8) ጨረታ እንትኸፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ክርከቡ ንዕድም።

9) ውዕሊ ኣሲሮም ብውዕሊ መሰረት ርኽክብ እንተዘይተፈፂሙ ርኽክብ ዘይተገበረለን መዓልትታት 1/3000 ብምብዛሕ ብቕፅዓት መልክዕ ናብቲ ኮሌጅ (ናብ መንግስቲ ካዝና) ኣታዊ ይገብር።ኾይኑ ግን እቲ ቕፅዓት ካብ ውዕሊ ዋጋ (10) አይበልፅን።እቲኮሌጅ ናይ ውዕሊ ዋጋ 10% እስካብ ዝበፅሕ ከፅበ አይግደድን መጠንቐቕታ ብምሃብ እቲ ውዕሊ ምቁራፅ ይከኣል እዩ።

10) እቲ ኮሌጅ ካብቲ አብ ጨረታ ሰነድ ዝሓተቶም ግልጋሎት ከም ኩነታቱ 20% ኸውስኸን ኸቅንስን ይኽእል።

11) ተጫረቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ዘቕርብዎ ዋጋ ናይ መወዳደሪ ሓሳብን ለውጥን ወይ ድማ ምምሕያሽ ዘይከአል ምዃኑ ባዕሎም ካብቲ ጨረታ ምግላል ዘይከአል ምዃኑ ፈሊጦም ክወዳደሩ ይግባእ።

12) አብ ዝቐረበ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝርዝር ዝሓዘ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን ሓበሬታ እንተሃልይዎም አብ መብርሂ ይሓቡሩልና።

13) እቲ ኮሌጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

መተሓሳሰቢ

አድራሻና - ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ

ዝርከበሉ ቦታ - አብ መንጎ ፎቶ ደስታን ጥዕና ጣብያን መቐለ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 41 94 67 ወይ ሞባይል ቁዕሪ 09 14 413007 ምድዋል ይከአል እዩ፡፡