1 በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ፈቃድ ንግዲ ዘለዎ ናይ 2018 ዝተሐደሰ ኮፒ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
2 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለዎን ኮፒ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
3 መለለይ ቁፅሪ ከፋለይነት ግብሪ ቅዳሕ ኮፒ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
4ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመገበን እንተነኣሰ ናይ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ቅዳሕ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
5 ጨረታ ካብ 12/5/2018 ዓም ክሳብ 25/5/2018 ዓም ሰዓት ኣብ ዘሎ እዋን ይከዉን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 500 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 25/5/2018 ዓም ሰዓት 11:30 ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ከይዲ ስራሕ ጠቅላላ ግልጋሎት ምምሕዳር ፋይናንስን ብምምፃእ ክትወስዱ ትክእሉ
6 ሰነድ ጨረታ 26/5/2018 ዓም ሰዓት ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 በዓልም ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት ኮይኑ ግን ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ብዘይምርካቦም ዝተርፍ ፖስታ ኣይህልዉን
7 መከበሪ ጨረታ ናይ ፈርኒቸር 5000 ቅርሺ : መሳርሒ ፅሕፈት 5000 ቅርሺ : ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት 15000 ቅርሺ :ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ስፒኦ ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል
8 ሰዓራይ ዉዕሊ ክኣስር ከሎ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ብስፒኦ ጥራሕ ከቅርብ ዝክእል
9 ኣብዚ ጨረታ ሰዓርቲ ዝኮንኩም ፅሬት ዘለዎን ብመሰረት ዝርዝር መዓቀኒ ወይ ከዓ እስፐስፌኬሽን ብናይ ባዕለኩም መጎዓዝያን ኮልኦት ወፃኢታትን ብምሽፋን ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ከይዲ ስራሕ ጠቅላላ አገልግሎት ምምሕዳር ፋይናንስን ዕቃባ ንብረትን መፂእኩም አታዊ ትገብሩ
10 እቲ ጨረታ ብንፁር ዝንበብ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ባዕሎም ፊርማን ማህትምን ኣብ ሕድሕድ ገጽ ብምግባር ብፖስታ ዓሺጉም ክእትዉ ይግባእ
10 እቲ ቤት መዘጃጋ ከም ኣድላይነቱ ሰዓራይ ምስተፈለጠ ኣቅሑት 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይድማ ክንኪ ይክእል እዩ
11 ሰዓራይ ኣካል ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ከቅርቡ ዝክእሉ
12 ቤት መዘጋጃ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
13 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ብክልተ ፖስታ ብዋናን ኮፒን ዓሺጉም ኣብ ዝተደለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ አለዎም
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0932330059 0914777547 / 0939651003