ቤት ምክር ክልል ትግራይ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ/ ብመምርሒ ሕዳስ ናይ ምሕዳስ ግዚኡ ዘይሓለፎ ዘሐደሰን ኮፒ መረዳእታ ኣታሓሒዙ ዘቅርብ

2 ኣብ ናይ ግብሪ ካፋሊ መለለይ ቑፅሪ TIN no ዘለዎ ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ገይሩ ኣተሓሒዙ ዘቅርበ

3 ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ 3000 ብሽም ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ብዝተረጋገፀ CPO ኣብ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ከትሕዝ ዝክእል

4 ዋጋ ዝመልአሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ብቤት ፅሕፈትና ብዝተዳለወ ሰsነድ ጨረታ ጥራሕ እዩ

5 ዋጋ ዝመልአሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር ሒሳብ ክፍሊ ዘይምለስ ብር 30 ጥራሕ ብምክፋል ካብ ዕለት 23 /12 /2008 ዓም ክሳብ ዕለት 03 /1 /2008 ዓም ሰዓት 8:00 ናይ ድ/ሰዓት ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይካኣል

6 እቲ ሰነድ ጨረታ 03 /1 /2008 ዓም ሰዓት 8:00 ናይ ድ/ሰዓት ተዓሺጉ በቲ ዕለት በዓል ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣበ ዘለዉሉ ልክዕ ሰዓት 8:30 ይክፈት መቅረብቲ ብናይ ባዕለም ድልየት ተዘይተረኪቦም እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ፖስታ ንምክፋት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ ብተመሳሳሊ ናይ ጨረታ ዶኬሜንት ኦርጅናን ፎቶ ኮፒን ነንበይኑ ከቅርብ አለዎ

7 ተመሊኡ ብፖስታ ተዓሺጉ ንዕኡ ተባሂሉ ኣብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 08 ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 03 /1 /2008 ዓም ሰዓት 8:00 ናይ ድ/ሰዓት ዘእትዉ

8 ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፉ ተወዳደራይ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን ናይ ሐምለ ወርሒ ዲክለር ዝገበረሉ መረዳእታ ዘቅርብ

9 ተጫረቲ ንዝሰዓርሉ ዓይነት ንብረት ብናይ ባዕሎም መፅዓኒን መራገፍን መጓዓዓዚን ናብ ቤት ፅሕፈትና ብዉዕሎም መሰረት አታዊ ዝገብሩ

10 ዋጋ ፀኒዑ ፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ካብ ተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 30 መዓልቲ ጥራሕ እዩ

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

12 ቤት ፅሕፈትና ሰዓራይ ኣብ ዝመርፀሉ እዋን ከብቲ መጀመርያ ንክግዛእ ዝወፀ በዝሒ ኣቅሓ ዋጋ ክሳብ 20% ካብ ነብሲ ወከፍ ነፀላ ኣቅሓ ናይ ምቅናስ ወይ ምዉሳክ መሰሉ ሕሉዉ ከምዝኮነ

13 ንዘድሊ ሐበሬታ 0344416570Â ሓዱሽ ህንፃ ፊት ንፊት ርእስ ምምሕዳር ክልል ትግራይ