አብ ግዚያዊ ምምሕዳር ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ዘፈር ፋይናንስ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ዘ/ፋ/ቢ/ሰ/ፀ/ግ/ጨ/ቁ 002/2018

ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ን2018 በጀት ዓመት ንፊኖ ዝኸውን ፅርየቱ ዝሓለወ ደረቕ ጥረ ስርናይ፡ዘይቲ ብልዒ፡ሸኮር፡ ዓተር ክክዕ (ብቢሮ ዝቐርብ ሳምፕል መሰረት) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዝኾነ ልዕል ኢሎም ኣብዝተጠቐሱ ዘርፊ እትነጥፉ ነጋዶ፦

➢ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፈቃድ ንግዲ ዘለኩም

➢ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩም ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉ

➢ ናይ ግብሪ ከፋሊ ሰተፊኬት (TIN)ን ናይ መቕረባይ ፈቓድ ዘለኩም ንኽትሳተፉ ይዕድም።

ብምዃኑ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዝርዝር መምርሒ ዝሓዘ ሰነድ ብር 300.00 (ሰለስተ ሚኢቲ ብር ጥራሕ) ብምኽፋል ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ኣብ ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን እዚ ፃውዒት ጨረታ ካብ ዝተገበረሉ ዕለት 15/05/201ዓ.ም - 30/05/2018ዓ.ም ሰነድ ጨረታ ብምግዛእ በቲ ቢሮ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክተእትዉ ከም ትኽእሉ ይገለፅ፡፡ እዚ ጨረታ ጥሪ 30/2018ዓ.ም ረፋድ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ረፋድ ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ተወከልቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብኽፋል ወይ ምሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ

  • 0344-408912
  • 0914008595 
  • 0920426802