ቁፅሪ 799_1-2/2018
ዕለት 15 /5/2018
ምልክታ ጨረታ
ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ኣብ ናይ 2018 ዓ/ም በጀት ዓመት ዋንነቱ ናይ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ዝኾነ ኣብ ዝተፈላለዩ ቁሸታት/ጣብያታትን ወረዳታትን ዝርከቡ ማ/ሰብ ደኒ ብርስት አግራብ ንምክልኻል ማለት'ውን ማ/ሰብና ንዝተፈላለዩ ምሕበራዊ ጉዳያቱ ክብል ብቁፅሮም ዘይነዓቁ አግራባት እንዳቆረፀ ዳስ ሰሪሑ ማሕበራዊ ትሕዝትኡ እናሕለፈ ከም ዝመፀን፣የሕልፍን ከምዘሎን ኩላትና እንፈልጦ ወድዓዊ ሓቂ እዩ ። ስለዚ እዚ ፀገም እናረኣና ክንቅፅል ስለዘይብልና ፣ ማ/ሰብና ድማ ካብቲ ማሕበራዊ ጉዳይትን ባህሉን ክፍለ ስለዘይኽእል ከም መፍትሒ ባላን ካልኦት አእዋምን ብብረት ወይም CHS (Circular Hallow Section steel) ምትካእ እዩ።ስለዝኾነ ድማ ናይ ብረታ ብረት ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ኣብ ክልልና ትርከቡ ማሕበራትን ናይ ውልቀ ትካላትን ነጋዶ ኩለኹም ፤ ትካልና ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ብዝሓዞ መደብ ከስርሕ ይደሊ፡ ካብዚ ብተወሳኺ ሰዓራይ ክኸውን ዝኽእል ዝተሓተ ዋጋ ዝመልአ እንትኸውን ድሕሪ ውዕሊ ምእሳር ሓደ ሳምፕል (ንመርኣይ ዝኸውን ሓደ በዓል 6 ማይቤት በቲ ዲዛይን መሰረት ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ሰሪሑ) ክቅርብ ዝኽእል:: ናይ መጋዓዓዚ ኣብ ግምት ከየእተዉ ክመልኡ አለዎም እቲ ትካል ባዕሉ ካብ ናይ ስራሕ ቦትኦም ናብ ተጠቅምቲ ስለዘከፋፍሎ ካብዙይ ብተወሳኺ ክፍሊት ዝምልከት፦ ክፍሊት ክኽፈሎም ወይም ክኸፍለን ዝኸእል እቲ ዝተወሃቦም ስራሕ ምሉእ ብምሉእ ሰሪሖም ምስወድኡ ፅሬት ብባዓል ሞያ ተረጋጊፁ ንብረት ምስ ኣረከቡ ምኻኖም ክፈልጡ ይግባእ። ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቛሓታት ከማልኡ ኣለዎም።
1) ተጫረቲ ኣብ ክልልና ዝርከቡ ንግዲ ትካላት ናይ ብረታ ብረት ማሕበራትን ውልቀን ዝምልከት ኮይኑ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝተገለፀ ፕሮጀክት ክጫረቱ ይክእሉ እዮም።
2) ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ብዝምልከቶ ናይ መንግስቲ ትካል ምስክር ወረቐት፣ ናይ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ንግዲ ሰራሕ ፍቃድን ናይ ግብሪ ከፋሊ
ምዝገባ ሰርተፍኬት /TI/ናይ መቕረባይነት ፤ ቫት/AI ሰርተፍኬትን ከቕርቡ ዝክእሉን።
3) መኽበሪ ጨረታ ብናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንኪ ካብ ዝተፈቐደሎም ባንክታት (CPO) ብር (200000) ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ጥራሕ ከቕርቡ ኣለዎም።
4) መኸበሪ ጨረታ ብኣድራሻ ናብ ማሕበር ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ተባሂሉ ብተወሳኺ ድማ ዕለትን ሽምን ኣብቲ መኸበሪ ጨረታ ክፅሓፍ ኣለዎ፡፡
5) ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ስራሕቲ ውዕሊ ካብ ዝፍፅምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 30(ሳላሳ) ተኸታተልቲ መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ሰሪሖም ከረክቡ ኣለዎም ፡፡
6) ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ 15/5/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈትና ብር 500 ብምኽፋል ክወስዱ ይኽእሉ እዮም።
7) ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ጨረታ ሰነድ ሓደ ኦርጅናል ፣ ሓደ ፎቶ ኮፒ ዝሓዘ ሰነዳት ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ምስ ዓሽጉ ኩሎም ፖስታታት ኣብ ካሊእ ዓብዪ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግን ናይቲ ዝጫረትሉ ትካል ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ፖስታ ብቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክሳብ ዕለት 26/5/2018 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ኣለዎም፡፡
8) ተጫረቲ እቲ ጨረታ ሰነድ ብውነ ተረዲኦም ዋጋ ብምምላእ ፊርሞኦምን ማሕተሞምን ብምዕራፍ እቲ ጨረታ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረ ከየጓደሉ ከቕርቡ ኣለዎም፡፡
9) እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዕለት 26 / 05/2018 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 4፡3:0 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክኸፈት እዩ።
10) ጨረታ እንትክፈት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምረካቦም ካብ ጨረታ ወፃኢ ክኮኑ ኣይክእሉን ብተወሳኪ ጨረታ ንምክፋት ኣይንክልከልን
11) ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀነሐሉ ግዜ ካብ15-26/5/2018 ዓ/ም እዩ።
12) ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፉ ኩሎም ኣብ ናይ ብረታ ብረት ንግዲ ፍቃድ ዝተዋፈሩ ጥራሕ እዮም
13) እቲ ቤት ፅሕፈት ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ወይ ድማ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
❖ ንተወሳኪ ሓበሬታ ናብ ቤት ፅ/ት ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ብኣካል ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0914097630/0914784483 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ
ኣድራሻ ዓዲ ሓቂ ኣከሊል ህንፃ ጥቃ GZ ሓሸንገ ኮሌጅ ዝነበረ