ምልክታ ጨረታ ናይ ዝውገድ ንበረት
ከተማ መቐለ ማእከላይ ቤት ፈርዲ ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ናይ ወረዳታት ቤት ፍረዲን ከተማ መቐለ ዘገልገሉ ዝተፈላለዩ ንብረታት ኣወዳዲሩ ብጨረታ ክሽየጥ ስለ ዝደሊ ዝተፋላለየ ዘገልገሉ ናይ ቢሮ ኣቁሑትን ዝተፋላለዩ ሃለቅቲ ንብረትን ፈርንቸርን ኤሌክትሮኒክስ ናይ መኪና ጎማታትን ክሸይጥ ይደሊ በዚ መሰረት እዚ ዝስዕብ ረቃሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም::
❖ ማንም ሰብ ክገዝእ ዝደሊ ክወዳደር ይክእል እዩ ብውዕሎም መሰረት ግዴታ ናይ ምፍፃም ድልየት ዘለዎም::
❖ ተጫረቲ ኣብ ታሕቲ ዝቀረበሎም መወዳደሪ ሰንጠረዥ ዋጋ ምስ መልኡ ብዝተኣሸገ ፖስታ ናይ ተወዳዳራይ ሽምን ከታምን ኣድራሻ ክሰፍር ኣለዎ ::
❖ ድሕሪ እቲ ጨረታ ምክፋት ተጫረቲ ኣብ እተቅርብዎ መወዳደሪ ሓሳብ ለውጢ ወይ መማሓየሺ ምግባር ከምኡ እውን ዓርስኩም ካብ ጨረታ ከተግልሉ ከም ዘይትክእሉ ምፍላጥ የድሊ::
❖ ተጨረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ከተማ መቐለ ማአከላየ ቤት ፈርዲ ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ቁፅሪ ክላስ 206 መፂእኩም ንክትወስዱ ንሕብር::
❖ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ከብ ዕለት 15/5/18 ክሳብ 28/5/18 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ይከውን::
❖ ጨረታ ዝክፈተሉ 28/5/18 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ሳንዱቅ ተዓሺጉ ልክዕ 4:30 ተወዳደርቲ ኣብ ዝተረከብሉ ይከፈት::
❖ ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዋ ንብረት ገንዘብ ኣታዊ ምሰገበሩ እቲ ንብረት ኣብ ወሽጢ 10ተ ተከታታሊ መዓልትታት ብናይ ባዕለም ትረንስፖርትን ጉልበትን እቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ከልዕሉ ይግባእ:: በዚ መንገዲ ኣብ ውሽጢ 6ተ ወርሒ ንብረቱ ከልዕል ብፅሑፍ ተሓቢርሉ ዝሰዓሮ ንበረት ከልዕል እነተዘይኪኢሉ ን7ተ ተከታታሊ መዓልቲ ህዝቢ ኣበ ዝሪኦ ኣደባባይ ምልክታ ብመለጣፍ በዓል ዋና ክቐርበ እንተዘይኪኢሉ ንብረቱ ይውረስ::
❖ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብምሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
❖ ኣድራሻ 1ይ ወያኔ ፖለስ ቤት ፅሕፈት ጎኒ ንርከብ::
ከተማ መቐለ ማ/ኸላይ ቤት ፍርዲ 2008 ዓ ም ብጨረታ ዝወግዱ ንብረታት ዝርዝር ዝሓዘ ሰንጠረጅ
| ተ/ቁ | ኤሌክትሮኒክስ/ስፔር | እቲ ንብረት ዘለዎ ኩነታት | መዐቀኒ | በዝሒ | መብርሂ |
|---|---|---|---|---|---|
| 1 | ናይ መኪና ባትሪ | ዘገልገለ | ብኪሎ | 2 | ዞባ መቐለ ማ/ቤት/ፍርዲ |
| 2 | ናይ መኪና ጎማ | ዘገልገለ | ቁፅሪ | 13 | ዞባ/መቐለ |
| 3 | ናይ መኪና ጎማ ማ/ይ ባስ | ዘገልገለ | ቁፅሪ | 1 | ዞባ/ መቐለ |
| ተ/ቁ | ፅሕፈት መሳርሒ | እቲ ንብረት ዘለዎ ኩነታት | መዐቀኒ | በዝሒ | መብርሂ |
|---|---|---|---|---|---|
| 1 | ቻርት | ዘየገልገለ | ቁፅሪ | 65 | ዞባ መቐለ |
| 2 | ሪንግ በዓል 8 mm | ዘየገልገለ | ቁፅሪ | 11000 | ዞባ መቐለ |
| 3 | ግራፊከሰ ወረቐት | ዘየገልገለ | ቁፅሪ | 56 | ዞባ መቐለ |
| ተ/ቁ | ሃለቂ ንብረታት | እቲ ንብረት ዘለዎ ኩነታት | መዐቀኒ | በዝሒ | መብርሂ |
|---|---|---|---|---|---|
| 1 | ዓቢይ ፓንቸር | ዘገልገለ | ብኪሎ | 3 | ዞባ መቐለ |
| 2 | ንእሽተይ ፓንቸር | ዘገልገለ | ብኪሎ | 3 | ዞባ መቐለ |
| 3 | ዓቢይ እስቴፕለር | ዘገልገለ | ብኪሎ | 3 | ዞባ መቐለ |
| 4 | ዓቢይ ፓነቸር | ዘገልገለ | ብኪሎ | 4 | ዓይደር |
| 5 | ማእከላይ ፓንቸር | ዘገልገለ | ብኪሎ | 3 | ዓይደር |
| ተ/ቁ | ፈርንቸር | እቲ ንብርት ዘለዎ ኩነታት | መዐቀኒ | በዝሒ | መብርሂ |
|---|---|---|---|---|---|
| 1 | ሓፂን ወንበር | ዘገልገለ | ብኪሎ | 1 | ዓይደር |