ማሕበር መናእስይ ትግራይ

ግልፂ ጨረታ

ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ናይ ፈርንቸር ኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩክዕድግ ስለዝደለየ ኣብብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋውያን ነጋዶ ነዚ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1. ሕጋዊ ንግዲ ክማላእ ዝግበኦ ፍቃድ ዘለኩም ናይዚ ዘመን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ዘይምለስ ፎቶኮፒን ዘቅርብ።

2. ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ/ቲን ናምበር ዘለዎ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብን።

3. ሻት ወይ ቲኦቲ እንተኮይኖም ሻት ዝተመዝገብኩምሉ ሰርተፊኬትን ናይዚ ወርሒ ዲክለር ዝገበርክሙሉ መረዳእታ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብ።

4. መኸበሪ ጨረታ ብር 5,000 (ሓሙሽተ ሽሕ ብር)ሲፒኦ ሕጋውነቱ ካብ ዝተረጋገፀ ባንኪ ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምስቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከእቲ ዝኸእል።

5. ጨረታ ዝጋወሐሉ ዕለት 14/05/2018 ዓ/ም ኮይኑ ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት28/05/2018ዓ/ም ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ንጉሆ ባዕሎም/ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለውሉ ኣብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ይኸፈት።

6. ተጫራታይ ሰነድ ጨረታ ንዝርዝር ኣፈፃፅማ እቲ ገምጋምን ካብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 10 ፋ/ምም/ዳርን ብር 50 እናኸፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ከምእትኸእሉ እናገለፅና ካብ ሎሚ ዕለት 14/05/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 28/05/2018 ዓ/ም ሽም፣ ኣድራሻ፣ፊርማ፣ማህተም

ብምግባር ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ኣታዊ ይገብር።

7. ተጫራቲ ሳዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

8. ተጫራቲ ውዕሊ ምስ ኣሰረ ዝሳዓሮም ንብረታት ብናይ ባዕሉ ትራንሰ ፖርት ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማመት ኣታዊ ይገብር።

9. ኣብዚ ጨረታ ከጭበርብር ዝሞከረ ነጋደይ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝከውን ንጨረታ መክበሪ ዘትሕዞ ገንዘብ ናብ ማሕበር መናእሰይ ካዝና ኣታዊ ይኸውን ።

10. ኣሸናፊ( ሳዓራይ ) ዝኮነ ተወዳዳራይ 3% ዊዝ ሆልዲንግ ይኸፍል።

11. መ/ቤትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። 

12.ኣድራሻና ኣብ 03 ቀበሌ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቑ.ስ.091413548/0914022473 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል።

ግልፂ ጨረታ

ተ.ቁዝርዝር ኣቑሑትዝርዝር መግለፂመዐቀኒ በዝሒናይ ሓደ ዋጋጠ/ዋጋመብርሂ
1Wooden shelf2door 80*40*200 local ቑፅሪ04