ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ንኮሚሽን ፖሊስ ክ/ትግራይ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ነጋዶ መቕረብቲ/ ንኽትወዳደሩ ብኸብሪ ይዕድም ።
ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቛሒታት
1. ተወሳኺ እሴት ታክሲ /ቫት/ ተመዝጋቢ ዝኾነን ናይ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓ/ም ዲክለር ዝገበረን::
2. ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ኣተሓሒዙ ከቕርብ ዝኽእል።
3. ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቕረባይነት ፍቓድ ኣተሓሒዙ ከቕርብ ዝኽእል።
4. ናይ ግብሪ ኸፋሊ መለለይ ቑፅሪ (Tin Number) ኣተሓሒዙ ከቕርብ ዝኽእልን።
5. መኸበሪ ጨረታ ብር 30,000.00/ሳላሳ ሽሕ ብር ጥራሕ/ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ብስፒኦ ጥራሕ ኣስሪሑ ከትሕዝ ዝኽእል።
6. ተወዳደርቲ ንዘሸነፍዎ ንብረት ኣብ ውሽጢ 15' ማዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጓዓዐዚ ናብ ኮሚሽን ፖሊስ ክ/ትግራይ ከቕርቡ ዝኸእሉ ።
7. ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ብር 200.00/ክልተ ሚኢቲ ብር ጥራሕ/ ከፊልካ ብምውሳድ ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ማህተም፣ፊርማ ሙሉእ ኣድራሻ ምስ ስልኪ ቑፅሪ ክገልፅ ዝኽእል ካብ ዕለት 09/05/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 25/05/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ክ/ትግራይ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኮፒን ኦርጅናልን ብምፍልላይ ምእታው ይኽእሉ::
8. እቲ ጨረታ ሰዓት 4:00 ተዓዕዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኸብሉ ዝኽፈት ኮይኑ እንተዘይተረኺቦም እቲ ጨረታ ንምኽፋት ዘፅግም /ዝኸልክል/ ከም ዘየለ ።
9. ኣብ ናይ ዋጋ መቕረቢ ዝተመልአ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን30 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ፣ ብተወሳኺ እዉን ተወዳደርቲ ንሕድሕድ ንብረት ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ሓዊሶም ዝውዳደሩ ምዃኖም እናፍለጥና ቫት የወስኽ ወይ የቕንስ ዝብል ሓሳብ ወይ መስራቤቱ ካብ ዘውፅኦ ስፐስፊኬሽን ካሊእ መብርሂ ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ኣብ ሕድሕድ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ እንተሃልዩ ካብ ውድድር ዝወፅእ ምዃኑ ፡፡
10. ኮሚሽን ፖሊስ ክ/ትግራይ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብኸፊል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው ኾይኑ ብተወሳኺ እውን 20/ ናይ ምውሳኽን ምቕናስን መሰለ ዝተሓለወ እንትከውን ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ መምልኢ ዋጋ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ክ/ትግራይ ጥራሕ ይወስዱ።
11. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0344403100 ወይ ድማ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ክ/ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 308 ብኣካል ምሕታት ትኸእሉ ።