ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ

ቁፅሪ ዲዕ ንምምዕን ቤቴ -- 18 

ዕለት - 09/05/2016 ዓ/ም

ምልክታ ከባብያዊ ጨረታ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ፅ/ን/ምም/ርን ኣብ በጀት ዓመት 2018 ንቤት ዕዮ ዝኾዉን መጋረጃ /ሎት 01/ን ኤሌክትሮኒክስን /ሎት 02/ን ብከባብያዊ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ነጋዶ ክተማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት

1. በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ናይ 2018 በጀት ዓመት ዝተሓደሰ ሓደ ገፅ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ክኾኑ ኣለዎም።

2. ተጫረቲ ናይ ዝወዳደሩሎም ዘርፊ ናይ 2018 በጀት ዓመት ሓደ ገፅ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ካርዲ ከቅርቡ ዝክእለ ክኾኑ ኣለዎም::

3. ናይ ግብሪ ከፋሊ ቲን ናምበርን /in/ ግልፂ ዝኮነ መረዳእታ ሓደ ሓደ ገፅ ከቅርቡ ኣለዎም::

4. ተጫረቲ 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ንሕድ ሕድ ሎት መክበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ወይ ድማ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ቸክ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ:

5. ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም 200 ብር ብምክፋል ካብ ዕለት 08/05/2018- 18/05/2018 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ብሎክ 6 ቢሮ ቁፅሪ44 ምዉሳድ ይክእሉ እዮም።

6. ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተለጠፈሉ መዓልቲ ዝቁፀር ካብ 08/05/2018-18/05/2018 ዓ/ም ን 10 ተከታተልቲ መዓልቲታት ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ድማ ዕለት 18/05/2018 ዓ/ም ቀትሪ ሰዓት 9:30 ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተለ ድማ ዕለት 18/05/2018 ዓ/ም ሰዓት 10:00 ኩሎም ተጫረቲ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ኮይኑ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ መዓልቲ ድማ ካብ ጨረታ ዝተከፈተሎ መዓልቲ ዝቁፀር 40 ተከታታሊ መዓልቲ ምኳኑ ክፈልጡ ይግባእ::

7. ጨረታ ዘሸነፈ ኣሸናፊነቱ ካብ ዝተገለፀለ መዓልቲ ጀሚሩ ድሕሪ ናይ ጥርዓን 3 ናይ ስራሕ ማዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3' ናይ ስራሕ ማዓልቲ ናይ ዘሸነፎ ዋጋ 10% ብምሓዝ ዉዕል ክኣስር ዝክእል፡፡

8. ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንትሃልይዎ ፌርማ ይገበረለ ካብዙይ ወፃኢ እንተኮይኑ ኣብ ምዕራይ ውድቂ ይግበር፡፡

9. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፡፡

10. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ይደውሉ፡