1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎምን ዓመታዊ ግብሪ ዝከፈሉን
2 ን2018 ዓም በጀት ዓመት ፈቃድ ንግዲ ዘሐደሱን
3 መለለይ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎም
4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን ናይ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥሉ
ናይ እንስሳት ኣፋዉስን ናዉቲን ተዋሳኪ እሴት ታክስ ኣየካትንን /አየድልን
5 ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡን ናይ 2018 ዓም ዝሐደሱን
6 ቅድም ክብሉ ናይ ዝተጠቀሱ ረቆሒታት መረዳእታ ዋንኡን ሐደ ገፅ ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ
7 ናይ ጨረታ መከበሪ ንዘይሰዓረ ሽዑ ዝምለስ ንመሳርሒ ፅሕፈት 15000 ቅርሺ : ንናይ እንስሳት ኣፋዉስን ናዉቲን 15000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ተረጋጊፁ ብዝቀረበ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል
8 ጨረታ ሰዓራይ ምካኖም ምስተገለፀ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ቀሪቦም ዉዕሊ ክእስሩ ዝክእሉ
9 ዝሰዓረዎ ንብረት በቲ ዝተዋዳደርዎ ዝርዝር መዓቀኒ መሰረት ካብ ዉዕሊ ዝአሰርሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ክፍሊ ንብረት ኣታዊ ክገብሩ ዝክእሉ
10 ነቲ ጨረታ ዝርከበሉ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ቤት ፅሕፈት ሕርሻ ዝርከብ ህንፃ አብ ምድሪ ቤት ኮይኑ ሰነድ ጨረታ ንፅሕፈት 300 ቅርሺ : ንናይ እንስሳት ኣፋዉስን ናዉቲን 300 ቅርሺ ጥራይ ይከዉን
11 ተጫረቲ ንሐደ ተቅርብዎ ዋጋ ብሽምኩም ዝተዓሸገ ፖስታ ካብ 7/5/2018 ዓም ክሳብ 27/5/2018 ዓም ሰዓት 3:30 ናይ ንጉሆ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ትክእሉ
12 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 27/5/2018 ዓም ዓት 3:30 ናይ ንጉሆ እንትከዉን ሳንዱቅ ጨረታ ዝክፈተሉ ብተመሳሳሊ ዕለት 27/5/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክበሉ አብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር ፋይናንስን ይከዉን ኩሉ ዘድሊ ኣማሊኦም በዘየለዉሉ ክከፈተሎም ከምዝከኣል የገልፅ
13 አቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ ከምእዉን 20 ሚእታዊ ምዉሳክ ወይ ምንካይ ከምዘሎ ክፈልጥ ይግባእ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0913875262 0342751484