ቃላሚኖ ኢንቨስትመንት ማእከል

ምልክታ ጨረታ

ናይ ኮብልስቶን ብሎኬትን መምረቲ ማሽን ክራይ

ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝመሓደር ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ /ሮሳ ኮሜታ/ ዝዓይነታ ናይ ጣልያን ስርሒት ብሎኬትን ኮብልስቶንን መምረቲት ማሽን ን 5ተ ዓመት ብውልቀን ብማሕበርን ንዘምርቱ ከካርይ ስለዝደለየ መምረቲ ንዝኾንኩም ትካላት በዚ ምልክታ ጨረታ እዚ ክዕድም ይደሊ ፦

በዚ መሰረት

➢ በቲ ዓይነት ዘርፊ ማለት ውን ብናይ ማኑፋክቸሪንግ መምረቲ ስራሕቲ ፍቃድን ክእለትን ዘለዎ ::

➢ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ቲን ናምበር ከቅርብ ዝኸእል ::

➢ እታ ማሽን ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ኮብልስቶንን ብሎኬትን መምረቲ ሞልድ ዘለዋ ኮይኑ እቲ ተጫራታይ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ካልኦት ተወሰኸቲ ሞልድታት ብሎኬትን ተዛመድቲ ሞልድታት ክስርሐላ ዝኸእል ምኻኑ ::

➢ ተጫረትቲቲ ብኣካል መፂኦም ብምርኣይ ነታ ማሽን ዘድልያ ኩሉ ዓይነት ዕገናታት ዝውሰኹ ሞልድታትን ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ኣፀጊኑ ናብ ስራሕ ክኣቱ ዝደሊ :

➢ እታ ማሽን ትርከበሉ ቦታ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ (ካብ ከተማ መቐለ 6ኪ/ሜ ንኣንፈት ደቡብ)

➢ ንዕዳጋ ካልኦት መሰረተ ልምዓት (መንገዲ መብራህቲ ማይ) ቐረባ ዝኾነ ::

➢ ማይን ካልኦት ግብኣታትን ማለትውን ንመምረቲ ዘድሊ ኩሉ ብናይ ተጫራቲ ኣቅርቦት ይኸውን ::

➢ ናይ መብራሃቲ ዝምልከት ናይ ባዕሉ ብሬከር መቆፃፀሪ ተጠቂሙ መርሓዊ ዝመዖ ሒሳብ ክኸፍል ዝኸእል ::

➢ ጨረታ መኸበሪ ብር 20,000.00 (ዕስራ ሽሕ ብር) ብ CPO ከትሕዝ ዝኽእል ::

➢ ውዕሊ መኸበሪ ናይ ዘሸነፎ ዋጋ ናይ ሓደ ወርሒ ከትሕዝ ዝኸእል

➢ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ብር 200.00 (ክልተ ሚኢቲ ብር) ብምኽፋል ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ቢሮ ቁፅሪ 02 ክትወስዱ ትኸእሉ ::

➢ ተጫረትቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ 06/05/2018-22/05/2018 ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ

ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ

➢ እቲ ጨረታ ዕለት 22/05/2018 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3፡00 ተዓዕዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ንጉሆ ኩሎም ተጫረትሪ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት

➢ ዝርዝር ድሌት መግለፂ ትካልና ካብ ዘቅርቦ ናይ መቕረቢ ቅጥዒ ወፃኢ መሊኡ ዘቅርብ ተቐባልነት የብሉን

➢ ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

➢ ንተወሳኺ ሓበሬታ ትካልና ብምቅራብ ወይ ድማ ብ ቁፅሪ ስልኪ 0914784453 ወይ ድማ 0914731592 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል