ደደቢት ትካል ልቓሕነ ምዕቓሪን/ደደቢት ትፍልም/

ምልክታ ጨረታ

ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ሓላፍነት ብርኪ ንዝርከቡ ናይ ትካል ሰራሕተኛታት ሞያዊ ዓቅሚ ንምዕባይ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ስልጠና ክህብ ስለ ዝደሊ ነዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቋሒታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

1. ተጫረቲ ናይ መቕረባይ ፍቃድን ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TIN/ ከቕርቡ ዝኸኣለን ከምኡ እውን ናይ 2018 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፡ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ እትኸእሉ፤

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ናይ ጨረታ መኸበሪ ኣብ ፋይናንሻል ትካላት ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ።

3. ናይ ጨረታ መኽበሪ በቲ ኣብ ተራ ቑፅሪ 2* ዝተገለፀ መሰረት ዘየቕረበ ተጫራቲ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።

4. ዝርዝር ዝሓዘ ዶኩሜንት ካብ ዕለት 06/05/2018  ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ጨንፈር ሓወልቲ ዘይምለስ ብር 500 /ሓሙሽተ ሚኢቲ ብር/ ጥራሕ ብምኸፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣

5. ናይ ጨረታ ውፅኢት ከይተፈለጠ ንባዕሉ ካብ ጨረታ ዘግለለ ተወዳዳሪ ንጨረታ መኸበሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።

6. ተጫረቲ ቴክኒካል ሰነድ ኦርጅናልን ኮፒን ኣብ በበይኑ ፖስታ ብምዕሻግ ኦርጅናልን ኮፒን ዝብል ኣብ ዝባኑ ብምፅሓፍ ማህተም ክዓርፎ ብምግባር ኣብ ሓደ ፖስታ ብምዕሻግ ቴክኒካል ሰነድ ኦርጅናልን ኮፒን ተባሂሉ ክፀሓፈሉ ድሕሪ ምግባር ከምኡ እውን ኦርጅናል ፋይናንሻል ሰነድ ንበይኑ ብፖስታ ብምዕሻግ ምስ ቴክኒካል ሰነድ ዝሓዘ ፖስታ ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ብሽምዒ ተዓሺጉ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎም።

7. መጀመሪያ ቴክኒካል ሰነድ ተኸፊቱ በቲ መመዘኒ መሰረት መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸቡ

ተወዳደርቲ ብምፍላይ ቀፂሉ ናይቶም መሕለፊ ነጥቢ ዝረከቡ ተወዳደርቲ ፋይናንሻል ዶኩመንት ዝሓዘ ሰነድ ብምኽፋት ብናይ ክልቲኡ ድምር ውፅኢት ዝለዓለ ነጥቢ ዝረኸበ ተወዳዳሪ ስዓሪ ጨረታ ይኸውን። ቴክኒካል መሕለፊ ነጥቢ ዘይረኸቡ ተወዳደርቲ ድማ በቲ ናይ ጨረታ መምርሒ መሰረት ፋይናንሻል መመዘኒ ዝሓዘ ሰነድ ከይተከፈተ ናብ ሰብ ዋና ተመላሲ ይኸውን።

8. እቲ ጨረታ ዕለት 18/05/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ 4ይ ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ዝኸፈት ኾይኑ ኣብቲ ጨረታ ዕለት ተጫረቲ ወይ ወኪላቶም ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሕጋውነቱ ክሳብ ዝተረጋገፀ እቲ ዝኣተወ ጨረታ ኩሉ ዝክፈት ይኸውን።

9. ተጫረቲ ኣብ እዋን ጨረታ ብስርዓት ክከታተሉን ብስርዓት ክሓቱን ዝፍቀድ ኮይኑ ካብዚ ወፃኢ ናይቲ ጨረታ ከይዲ ዝህውኸ ተግባራት ካብ ምፍፃም ክቁጠቡ ዘለዎም ኮይኖም ነቲ ጨረታ ዝህውኸ ተግባር ምስ ዝፍፅሙ ካብቲ ጨረታ ክስረዙን ካብ ውድድር ወፃኢ ክኾኑ ከምዝክእሉ ክርድኡ ይግባእ።

10. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /unconditional Performance bond/ ከትሕዝ ዝኸእል፣

11. ስዓሪ ጨረታ ውፅኢት ጨረታ ተፈሊጡ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 5 ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ቀሪቡ ውዕል ክኣስር

ይግባእ።

12. በቲ ኣብ ተራ ቁፅሪ 11 ዝተገለፀ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ትካል ቀሪቡ ውዕል ዘይኣሰረ ስዓሪ ጨረታ እቲ ንጨረታ መኽበሪ ዘትሓዞ 2% ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።

13. ኣብቲ ጨረታ ቅሬታ ዘለዎም ተወዳደርቲ ሰዓሪ ጨረታ ዕላዊ ኾይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት

ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ተከታተልቲ መዓልትታት ናብ ትካል ቅሬትኦም ከቅርቡ ዝኸኣለ ኮይኖም ድሕሪ እቲ ዝተገለፀ ዕለት ዝመፅእ ቅሬታ ተቀባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ኸፈልጡ ይግባእ።

14. ትካል ዝሓሽ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ

15. ተወሳኪ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 309 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ።

+251-34 4410250