ለምለካዊ ሆቴል ደስታ

ቑፅሪ:ደበ ግ0566918

ምልክታ ጨረታ

ትካልና ዓለምለካዊ ሆቴል ደስታ (Desta International Hotel) ንመስፋሕፍሒ ህንፀት ፕሮጀክት B+G+6 ህንፃ ዝተፈላለዩ ናይ መዛዘሚ ናይ ሙያ ስራሕቲ ልምድን ክእለትን ብዘለዎም ሰብ ሙያ ብቅሉዕ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ በቲ ስራሕ ሞያን ክእለትን ዘለኩም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ስራሕቲታት ንምስራሕ እተማልኡ ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

መስፋሕፍሒ ፕሮጀክት ዝርከበሉ ቦታ፡ መቐለ- ዓለምለካዊ ሆቴል ደስታ B+G+6 ህንፃ

ናይ ጨረታ ኩነት፡ ጠቕላላ ናይ ዝተፈላለዩ ናይ መዛዘሚ ናይ ሙያ ስራሕቲ (Finishing Works)

ጨረታ መመዝገቢ ፃንሒት፡ 02-08/05/2018 ዓ/ም

ናይ ጨረታ ዝርዝር (Tender Specifications/ Bill of Quantities)

ተ.ዝርዝር ስራሕቲመዐቀኒናይ ሓዳ ዋጋ (Unit Price)ጥቅላላ ዋጋ (Total Price)መብርሂ
1ስራሕቲ ጅፕሰም ቦርድሜ2ብዲዛይን መሰረት
2ቻክሜ2
3ቀለምሜ2
4ስራሕቲ ሰራሚክሜ2
5ዋተር ፕሩፍሜ2
6ስራሕቲ ኣልሙንየምሜ2
7ሃንድሬይል
8ስራሕቲ መስታወትሜ2
9ስራሕቲ ፈርኒቸር

ክማልኡ ዝግባኦም ረቓሕታት

1. ናይዚ ጨረታ ተሳታፊ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድን ብተወሳኺ ውን ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ፣ግብሪ ኸፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ፎቶ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል። 

2. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ብንፁር ብምምላእ ኣብ ሕድሕድ እቲ ጨረታ ሰነድ ማሕተምን ፊርማን ክዓርፎ ብምግባር ምስ ዘእተውዎ ዋጋ ፋይናንስ) ኩሉ ናይ ስራሕ ፍቓድ ሰነዳትን ቕድሚ ሐዚ ናይ ዝሰርሕሉ ተመሳሳሊ ስራሕትን ልምድን ዝገልፅ ሰነዳት ብምትሕሓዝ እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 02-08/05/2018 ዓ/ም ክሳብ ስዓት 8፡30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ደስታ ቢዝነስ ግሩፕ ከቕርብ ዝኽእል።

3. ናይ ጨረታ መገምገሚ ተወሳኺ ረቛሒ (Tender Evaluation Criteria) ፡ ኣብ ላዕሊ ብዝተቐመጠ ዝርዝር ስራሕቲ ብተግባር ኣብ ዘመናዊ ሆቴል ዝሰርሕዎ ስራሕቲ ከርእዩ ዝኽእሉ 

4. ተጫረቲ ናይዚ ስራሕ ናይ መዛዘምን መረከቢ ግዜ ኣብ ውሽጢ ክንደይ መዓልቲ ዘረክቡ ምዃኖም እቲ ስራሕ ንምጅማር ዝኣትወሉን ስራሕ ወዲኦም ዝወፅሉ ግዜ ኣካቲቱ ከቕርብ ዝኽእል።

5. ተጫራቲ ዝስዓርዎ ስራሕ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ብሳልሳይ (Sub Contract) ምስራሕ ዘይከኣል ምኳኑ ፈሊጡ ክወዳደር ዝኽእል

ኩነታት ጨረታ

1. እዚ ጨረታ ዕለት 08/05/2018 ዓ/ም ስዓት 8፡30 ቀትሪ ተዓፅዪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ በዚ ስዓት ይኽፈት።

2. ስዓሪ ተጫራቲ ምስዓሮም ካብ ዝተነገሮም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ምእሳር ዝኽእል ምዃኑ

3. ስዓራይ ተጫራቲ መኽበሪ ጨረታ 10% ናይቲ ውዕሊ CPO ኣስሪሑ ቐዲሙ ከቕርብ ዝኽእል ምዃኑ

4. ተጫረቲ ቅድሚ ዋጋ ምእታዎም ስራሕ ኣብ ብድሕሪት ኣብ ዘሎ መስፋሕፍ ዝርከበሉ ቦታ ደስታ ኢንተርናሽናል ሆቴል ህንፃ ብኣካል ብምኻድ ክርኢ ዝኽእል ምዃኑ፡፡

5. ናይ ጨረታ ሰነድ ዝርከበሉ ቦታ ደስታ ቢዝነስ ግሩፕ ዋና ቤት ፅሕፈት ቢሮ ቑፅሪ 08

6. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ኣድራሻ

ግልባጥ ምም/ር ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ንምብራቕ ገፅ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ስልኪ ቑፅሪታት ምሕታት ይከኣል ስልክ፡ 0711120265 /0913522365