ምልክታ ግልፂ ጨረታ 01
ቤት ፅሕፈት ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ነቲ ቤት ፅሕፈት ን2018 በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝውዕል ብርክት ዝበለ ብግልፂ ጨረታ ከወዳድር ይደሊ በዚ መሰረት ናይ መኪና ስፔር ክንዕድግን ካብ ሕጋውያን መቕረብቲ ብዘርፍ ዝተመዝገቡ ብ ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ውዕሊ ብምእሳር ክዕድግን ግልጋሎት ክንረክብን ስለዝደለየ ካብዚ ብታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተማልኡ ንክትጫረቱ ይዕድም።
ናይ ጨረታ ረቛሒታት
1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ /ብመምርሒ ሕደሳ ናይ ምሕዳሰ ግዚኡ ዘይሓለፎን ዘሐደሰን ሙሉእ ገፅ ኮፒ መረዳእታ ኣተሓሒዙ ዘቕርብ።
2. ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ IIN NO) ዘለዎ ፣ ኣብ መቕረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን መረዳእታ ሙሉእ ገፅ ፎቶ ኮፒ ገይሩ ኣተሓሒዙ ዘቕርብ።
3. ናይ VAT ተመዝጋቢ ዝኮነ ወረቐት ምስክር ዘቅርብ።
4. ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ብር 5000.00 /ሓምሽተ ሽሕ ብር / ብሽም ቤት ፅሕፈት ቤት ምኸሪ ክልል ትግራይ ዝተረጋገፀ CPO ኣብ ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ክትሕዝ ኣለዎ፡
5. ዋጋ ዝመልኣሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ብቤት ፅሕፈትና ብዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ እዩ
6. ዋጋ ዝመልኣሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምክሪ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር ሒሳብ ክፍሊ ጨረታ ዘይምለስ ብር 100.00 ( ሓደ ሚእቲ ብር) ጥራሕ ብምኽፋል ካብ ዕለት 01/05/2018 ዓ.ም ክሳብ ዕለት 15/05/2018 ዓ.ም ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምውሳድ ይከኣል።
7. ናይ ጨረታ ዶክሜንት ተመሊኡ ኦርጀናልን ፎቶ ኮፒን ነኒበይኑ ብፖስታ ተዓጺጉ ንዕኡ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ኣብ ደ/ከ/ስ/ዕደ/ፋይ/ንብ/ምም/ር ቢሮ ቁፀሪ 08 ክሳብ ዕለት 15/05/2018ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ቅ/ሰዓት ከእትው ይክእሉ በቲ ዕለት ሰዓት 400 ቅ/ሳዓት ተዓሽጉ በዓል ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለውሉ ልክዕ ሰዓት 4:30 ቅ/ሳዓት ይኽፈት መቕረብቲ ብናይ ባዕሎም ድልየት ተዘይተረኺቦም እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ፖስታ ንምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
8. ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፍ ተወዳዳራይ ናይ መኪና ስፔር ፣ ሻት ተመዝጋቢ ዝኾነን ክሳብ ሕዳር 30/2018ዓ/ም ዲክለር ዝገበረሉ መረጻእታ ዘቕርብ ዜ
9. ተጫረቲ ንዝሰዓሩዎ ዓይነት ንብረት ብናይ ባዕሎም መፅዓኒ መራገፊ መጓዓዓዚን ናብ ቤት ፅሕፈትና ብውዕሎም መሰረት ኣታዊ ዝገብሩ፡፡
10. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዘ ጨረታ ካብ ተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን45 መዓልቲ ጥራሕ እዩ።
11. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰለዝተሓለወ እዩ።
12. ቤት ፅሕፈትና ሰዓራይ ኣብ ዝመርፀሉ እዋን ካብቲ መጀመርያ ንክግዛእ ዝወፀ በዝሒ ኣቕሓ ዋጋ ክሳብ 20%( ዒሰራ ሚኢታዊ) ካብ ነብሲ ወከፍ ነፀላ ኣቕሓ ናይ ምቅናሰ ወይ ናይ ምውሳሽ መሰሉ ሕሌው ከም ዝኾነ፡
13. ነቲ ዝተረቶ ንብረት ሙሉእ ውሕስና ክህብ ዝኽእል
14. ንዘድሊ ሓበሬታ ጭ - 03 41420117-41 65 70 /0945825857/0914748486 ሓዱሽ ህንፃ - ፊት ንፊት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ