ዋግዋጎ ትሬዲንግ ሓ/ዝ/ተ/ው/ማ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ዋግዋጎ ትሬድንግ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ንዘለዎ ናይ መኪና ሰርቪስ ድሌት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብመልክዕ ግልፂ ጨረታ ኣወዳድሩ ክካረ ስለ ዝደለየ ነቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሓ እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ዝርዝር መግለፂ ዝተደለየ ስራሕ

ናይ ስርቪስ መስመር ንጉሆ፤ ካብ ላጪ- 05 ቀበሌ - ዓይደር - ሓሚዳይ ፍሉይ ቦታ ጥቓ ፍትግ ሕሩጭ ፋብሪካ፡፡

ናይ ስርቪስ መስመር ምሸት፤ ካብ ሓሚዳይ - ዓይደር - 05 ቀበሌ

➢ በዝሒ ዝድለ መኪ=1 (ሓደ)፡፡

➢ በዝሒ ክሕዞ ዝግባእ ሰብ = 30

➢ ናይ ሰርቪስ ስዓት= ንጉሆ ካብ 1፡00 ስዓት ክሳብ ሸት፡ ምሸት ካብ11፡00 ክሳብ1፡00

➢ በሰርቪስ ዝሽፈን ርሕቐት= ንጉሆ 9 ኪሎ ሜትር፣ ምሸት 9 ኪሎ ሜትር፣ ድምር 18 ኪሜ፡ ተሳተፍቲ ንዝህብዎ ሰርቪስ ብናይ ባዕሎም ነዳዲን ሽፌርን ዝሽፈን እዩ፡፡

ተሳተፍቲ ዋጋ እንትመልኡ ንሓደ (1) ኪሎ ሜትር ዋጋ ጥራሕ መሊኦም ከእትው ኣለዎም፡

➢ ተሳተፍቲ ሞዴል መኪናኦም 2009ን ልዕል ክኸውን ኣለዎ፡፡

ዝርዝር ረቛሓታት

ሀ. በቲ ስራሕ ዘርፊ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ ዘለዎ፤

ለ መለለይ ቑፅሪ ግብሪ ክፋላይነት ዘለዎ፤

ሐ. ስሩዕ ናይ ትራንስፖርት ደረሰይ ከቕርብ ዝኽእል፤

መ. ዝተሓደሰ ፍቓድ መቕረባይነት ዘለዎ፤

ረ. እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ሰነዳት ብቕዳሕ ኮፒ ብዝተዓሸገ ኢንቮሎፕ ገይሩ ከቕርብ ዝኽእል፡

ሰ. እዚ ጨረታ ዕለት 01/05/2018 ዓ/ም ተጀሚሩ ንተኸታታሊ 7 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ኣብ ኣየር ድሕሪ ምፅናሕ ንዕለት 08/05/2018 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ቐትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት (08/05/2018 ዓ/ም) ሰዓት 9:30 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ይኸፈት::

መተሓሳሰቢ - ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ፡፡ 

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0914310753/0919006601 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡ 

ኣድራሻ፤ ቐበሌ 18 ዳ ጥሮታ ሓዳስ ሞል ቀደማይ ደብሪ