ናይ ዝውገድ ንብረት ግልፂ ጨረታ ምልክታ
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ኣብ ዝተፈላለያ ሴክተራት ኣብያተ ፅሕፈት ከተማ መቐለ ዝርከብ ዝተፈላለየ ዘገልገለን ዝተሰባበረን አቅሑት ማለት ፈርኒቸራትን ኤለክትሮኒክስን ማለት ከምኡ እውን ዝተፈላለየ ናይ መኪና ቅያር ሰፐር ጎማ :ባትሪ: አሙኔም: ቆረቆሮታት/ረታመ/ ካልኦትን ወዘተ ንመላእ ነበርትን ንግዲ ማሕበረ ሰብን ከተማ መቐለ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ። በዚ መሰረት እዚ ዝስዕብ ረቋሓታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም
1. ተጫረቲ ናይ ነባራይነት መለለዪ ካርድ ማለት መታወቅያ ከቕርብ ዝኽእል
2. ወይ ዝኾነ ይኹን ንግዲ ፍቓድ ንዘለዎም ድማ ናይ ዘመኑ ግብሪ ብምኽፋል ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፤ደኣንት ንዝኾኑ ድማ ዝተሓደሰ ናይ ደኣንት ሰርቲፊኬት ከቕርቡ ዝኽእሉ።
3. ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 84 ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 27/04/2018ዓ/ም ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ መግዝኢ ብር 100 /ሓደ ሚኢቲ ብር/ ጥራሕ ብምኽፋል ምውሳድ ይካኣል።
4. እቲ ናይ ጨረታ ፖስታ ዝተዓሸገ ኤንቬሎፕን ናይ ተጫረታይ ሽምን ፊርማን (ማህተም እንተልዩ ማሕተምን) ብምግባር ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ምእታው ይከኣል።
5. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ / CPO /ወይ እውን ብጥረ ገንዘብ/ብር 6000.00 /ሽዱሽተ ሽሕ/ከትሕዙ ዝኸእሉ።
6. ምልክታ ጨረታ ካብ ዕለት 27/04/2018 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 13/05/2018ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ በዚ ዕለት ድማ ልክዕ ሰዓት 3:30 ታዓሺጉ ልክዕ ሰዓት 4:00 ይክፈት::
7. ጨረታ ዝኸፈተሉ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊያን ወኪላት ኣብ ዝተረኸቡሉ ይኸፈት።
8. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
9. ኣድራሻና ቀበሌ 03 ድሕሪ እንዳ ማርያም ቤተ ክርስቲያን ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ከተማ መቐለ /ህነፃ ኣግኣዚ ኦፕሬሽን/ ።