ኤንተርፕራይዝ መፅናዕቲን ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ

ምልክታ ፕሮፎርማ

ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ፣ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዘሎ ናይ መኪና መፋቱሕ (Tools Kit) ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መስፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ወሲድኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም::

1. ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ክተታሓሕዙ ትክእሉ።

2. ናይ መቕረባይ ምዝገባ ሰርትፊኬትን IN ቑፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ክተታሓሕዙ ትኽእሉ፡፡

3. ቫት ተመዝጋቢ ተኾይኖም ናይ ቫት ሰርትፊኬት ኮፒን ዘቕርብዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ፡፡

4. ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ቫት ዲክለር ዝገበርኩምሉ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ።

5. ጨረታ መኽበሪ ብ C.P.O.ወይ ብጥረ ገንዘብ 3,000.00 (ሰለስተ ሽሕ) ብር ከትሕዙ ዝኽእሉ።

6. ዝተአዘዘ ንብረት አሸናፊ ኾይኖም እንትርከቡ ውዕሊ ኣሲሮም ንብረት ኣብ 15' መዓልቲ ብውዕሊ መሰረት የረክቡ፡፡

7. ጨረታ አብ አየር ዝፀንሓሉ ጊዜ ካብ ዕለት 27/04/2018 ክሳብ 09/05/2018 ዓ/ም ኮይኑ በቲ ዕለት ልክዕ ስዓት 4፡00 ተዓሽጉ ስዓት 4፡30 ይኸፈት ፡

8. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

➢ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ/ቑ 0914-752718 ወይም ብኣካል ብምምፃእ ዓዲ ሓ ጥቓ ገነት መዕደሊ ነዳዲ ኣብ ዝርከብ ትካልና ምርካብ ይከኣል እዩ።

ተ/ቑዓይነት ንብረትመፍለይ ቑፅሪመዕቀኒበዝሒነ/ዋጋጠ/ዋጋመብርሂ
ብርብር
1Beta Tools kit Include special toolsModel Beta/SimilarSet01Total-128 pcs
2Filter Wrench 3 Fingerspcs01