ደደቢት ትካል ልቓሕነ ምዕቓሪን/ደደቢት ትፍልም/

ምልክታ ጨረታ

ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ክትጫረቱ እትደልዩ ትካላት ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቋሒታት እተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

1. ተጫረቲ ናይ መቕረባይ ፍቃድን ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ | ከቕርቡ ዝኽእሉን ከምኡ እውን ናይ 2018 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉ፤

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኸበሪ ኣብ ፋይናንሻል ትካላት ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ።

3. ዝርዝር ዝሓዘ ዶኩሜንት ካብ ዕለት 25/04/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ጨንፈር ሓወልቲ ዘይምለስ ብር 200 /ክልተ ሚኢቲ ብር/ ጥራሕ ብምኸፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኸእሉ

4. ናይ ጨረታ መኸበሪ በቲ ኣብ ተራ ቑፅሪ 2* ገለፀ መሰረት ዘየቕረበ ተጫራቲ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።

5. ናይ ጨረታ ውፅኢት ከይተፈለጠ ንባዕሉ ካብ ጨረታ ዘግለለ ተወዳዳሪ ንጨረታ መኸበሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።

6. ናይ ጨረታ ዶኩሜንት ብፖስታ /ሽምዒ ዝተዓሸገ ኾይኑ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 25/04/2018 ዓ.ም እስካብ ዕለት 08/05/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ዘሎ ግዜ ይኸውን፣

7. ጨረታ ዕለት 08/05/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ 4ይ ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ዝኸፈት ኾይኑ ኣብቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን ሕጋውነቱ ክሳብ ዝተረጋገፀ እቲ ዝኣተወ ጨረታ ኩሉ ዝክፈት ይኸውን።

8. ተጫረቲ ኣብ እዋን ጨረታ ብስርዓት ክከታተሉን ብስርዓት ክሓቱን ዝፍቀድ ኮይኑ ካብዚ ወፃኢ ናይቲ ጨረታ ከይዲ ዝህውኸ ተግባራት ካብ ምፍፃም ክቁጠቡ ዘለዎም ኮይኖም ነቲ ጨረታ ዝህውኸ ተግባር ምስ ዝፍፅሙ ካብቲ ጨረታ ክስረዙን ካብ ውድድር ወፃኢ ክኾኑ ከምዝክእሉ ክርድኡ ይግባእ።

9. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅ ውሕስና /unconditional Performance bond/ ከትሕዝ ዝኸእል፣

10. ስዓሪ ጨረታ ውፅኢት ጨረታ ተፈሊጡ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 5 ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ቀሪቡ ውዕል ክኣስር ይግባእ።

11. በቲ ኣብ ተራ ቁፅሪ 9' ዝተገለፀ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ትካል ቀሪቡ ውዕል ዘይኣሰረ ስዓሪ ጨረታ እቲ ንጨረታ ኸበሪ ዘትሓዞ 2% ናብ

ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።

12. ኣብቲ ጨረታ ቅሬታ ዘለዎም ተወዳደርቲ ሰዓሪ ጨረታ ዕላዊ ኾይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ተከታተልቲ መዓልትታት ናብ ትካል ቅሬትኦም ከቅርቡ ዝኸእሉ ኮይኖም ድሕሪ እቲ ዝተገለፀ ዕለት ዝመፅእ ቅሬታ ተቀባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ኸፈልጡ ይግባእ።

13. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

14. ተወሳኪ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 309 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ።