ምልክታ ፕሮፎርማ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ወረዳታት እንዳ መኾኒን እንደርታን ዝርከባ 6 ኣብያተ ትምህርቲ ቐለልቲ ፅገናታት ማዕፆ በርን መስኮትን ንምክያድ ኣብ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ሓፂነ መፂኒን (ብረታ ብረት) ዝተዋፈሩ ዝምልከቶም ትካላት ብፕሮፎርማ ብምውድዳር ከስርሕ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ትካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
1. ናይ 2018 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣
2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣
3. VAT ተመዝገብቲ (እንተኾይኖም) ዝተመዝገብለ መረዳእታ ናይ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉን፣
4. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣
5. እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳር እቲ ስራሕ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ኣጠናቒቑ ከረክብ ዝኸእል፡፡
6. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ VAI ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፣፣ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ VAT ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፣፣
7. ኣብቲ ሰነድ ፕሮፎርማ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣
8. ዝርዝር ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ዞባ ደቡብ (ከተማ ማይጨው) ወይ ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ) ቢሮ ቑፅሪ 410 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምውሳድ ይከኣል፡
9. ማ.ል.ት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣
10. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 01/05/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት (መቐለ) ቢሮ ቑፅሪ 410 ይኽፈት፡፡
ማ ሕ በ ር ል ም ዓ ት ት ግ ራ ይ!