ዘ ዳውተርስ ቻሪቲይ

ግልፅ ጨረታ

ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሰበኻ ዓዲግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕ/ሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና ፣ኣብ ልምዓትን ካልኦትን ማሕበራዊ ፀገማት ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ: ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ቢሮ ትምህርቲ ብሓባር ብምኻን ኣብ ዞባታት ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቅ ፣ ደቡብ ፣ ማእኸላይ ዝርከባ ወረዳታት ሃገር በቆል ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ:: ብተመሳሳሊ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወት እናባፀሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ::

በዚ መሰረት ድማ ትካልና: ኣብ ግልጋሎት ዝነበረ ሙሉእ ቆርቆሮ ብቁዕሪ ቁርፅራፅ ቆርቆሮን  ሓጪነመጭን ብኪሎ ብግልፂ ጨረታ ብምውድዳር ክሽይጥ ይደሊ:: ነዙይ መሰረት ገይርኩም እዞም ዝስዕቡ ሮቛሒታት እተማልኡ ኣብቲ ግልፂ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ኣካላት ንክትሳተፉ ንዕድም:

➢ በዚ ዘርፊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ

➢ ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅሪ /TI/ ከቅርብ

➢ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ዕደጋ ክፍሊ ቢሮ ቁፅሪ‐12 ክወስዱ ከምእትኽእሉ።

➢ መኽበሪ ጨረታ ብር 20,000.00 ብ CPO ጥራሕ ብስም ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕ (Daughters of Charity) ኣስሪሑ ከትሕዝ ይግባእ።

➢ እቲ ጨረታ ዕለት 22/04/2018 ሰዓት 2:00 ተጀሚሩ ዕለት 27/04/2018 ዓ.ም ሰዓት 8:30 ይዕፀው። እቲ ጨረታ በቲ ዕለት 27/04/2018 ዓ.ም ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

➢ ብተጫራታይ ዝምላእ ዋጋ ትካል ካብ ዘቅረቦ ናይ መውሃቢ ቅጥዒ ወፃኢ ምቅሪ ኣይፍቀድን።

➢ ተጫራታይ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ናብ ትካልና ብኣካል ብምቅራብ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣቕሓ በናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ፀዓንትን ከልዕል ዝኽእል

➢ ትካልና ዝሓሽ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡