ቤት ፅሕፈት ማይን ፍሳስን ከተማ ድብድቦ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ማይን ፍሳስን ከተማ ድብድቦ ኣብ ናይ 2018 ባጀት ዓመት ንዝርገሐ መስመር ማይ ግልጋሎት ዝውዕሉ HDPE ቱቦን መገጣጠምን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ በዚ መሰረት ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተወዳደርቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒ ከተማልኡ ይግባእ ፡፡

ተጫረትቲ ከማልኡዎም ዝግባእ ረቋሒ

1. ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎን ንተቅርብዎ ንብረት ፊት ዝገብር ንግዲ ፍቃድ ምቅራብ እትከእሉን ናይ እተቅርብዎ ንብረት ንምቅራብ ፍቃድ ዘለኩምን /Tin No/ን ኣብ ናይ መንግስቲ ዕድጊት ናይ ምስታፍ ፍቃድ ወይ ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለኩምን ናይዚ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከትሕዝ ዝክእል ፡፡

2. ናይ ተወሳኪ እሴት ታከስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ መስከረም 208 ዓ/ም ኣታዊ ዝገበርኩምሉ ሪፖርት መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ከተቅርቡ እትክእሉ ፡፡

3. ኣብዚ መወዳደሪ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ዝርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብምምላእ ናይ በዓል ዋና ንግዲፍቃድ ወይ ሕጋዊ ወኪል ፈሪሙ ማህተም ከገብረሉ ኣለዎ ፡፡ ኣብዚ ዝርዝ ድልዝ ወይ ዝተዋቀዐ ዋጋ እንተተመሊኡ ካብ ውድድር ወፃኢ ይከውን፡፡ ዘትሕዞ መክበሪ ጨረታ 5000 ብር/ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ጥረ ገንዘብ ወይ ብስም ከተማ ድብድቦ ማይ ግልጋሎት ዝተሰረሐ ሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ፡፡

4. ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 22/04/2018 ዓ/ም ከሳብ ዕለት 06/05/2018 ዓ/ም ሰዓት 6፡oo ንጉሆ ከፍቲ ኮይኑ ዝፀንሕ እንትከውን ኣብ ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ድብድቦ ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ መግዝኢ ዘይምለስ ብር 300 /ሰለስተ ሚኢቲ ብር/ ብምክፋል ክትዕድጉ እናሓበርና ዕለት 06/05/2018 ሰዓት 6፡05 ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ 8፡ዐዐ ሰዓት ድቀትሪ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይከፈት ፡፡ ኮይኑ ግን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይ ተረኪቦም ቤት ፅሕፈትና ጨረታ ፖስታ ምክፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

5. ሰዓራይ ሙካኑ ምስ ተፈለጠ ውዕል ዝኣሰረሉ ቅጥዒ ውዕል ኣብዚ ሰነድ ተተሓይዙ ዝቀርብ እንትከውን ኣብቲ ውዕል ተካቲቶም ዘለው ዘኣምንሉ ምካኖም ፌርማን ማህተምን ከገብርሉ ተገይሩ ሰዓራይ ንምኳኑ ብደብዳቤ ወይ ኣብ ሰነዶም ብዝተፀሓፈ ስልኪ ቁፅሪ ካብ ዝተነገሮም 3ተ መዓልቲ ናይ ቅሬታ ግዜ ምስ ተወድአ ብድሕሪኡ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ናብ ቤትፅሕፈትና ብምቅራብ ውዕል ከእሰርን መከበሪ ውዕል ብጥረ ገንዘብ ከተሓዝ ኣለዎ ኣብቲ ዝተገለፀ መዓልቲ ውዕል እንተዘይ ኣሲሩ ዘትሐዞ ናይ መከበሪ ጨረታ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይከውን ፡፡

6. ኣብ ዝቀረቡ ዋጋ ዝተሞርኮሰ መፍለዪ ሰዓራይ ዋጋን ፅሬት ንብረትን ማዕረ እንተኮይኖም ብዕጫ ይፍለዩ፡፡

7. ሰዓራይ ውዕል ምስ ኣሰረ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ ድብድቦ ብምቅራብ

ፅሬት እቲ ንብረት ብበዓል ሞያ ምስ ተረጋገፀ ኣታዊ ይግበር፡፡ ዝቀርብ ንብረት ካብቲ ዝተኣዘዘ መስፈርቲ ወፃኢ እንተኮይኑ ከም ዘይንቅበል ፈሊጡ ዝወዳደር ከከውን ኣለዎ ፡፡

8. እዚ ሰነድ ጨረታ ኦርጅናል ኮፒን ብምግንዛብ ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ተዓሸጉ ኣብ ሕድሕዱ ፖስታ ድማ ናይ ተጫራቲ ሺም ፣ ኣድራሸ ፡ ፊርማ ፡ ማህተምን ዓሪፍዎ ኦርጅናል/ዋና/ን ኮፒን ተባሂሉ ተፃሒፍሉን ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ድብድቦ ዝተዳለወ ሳፁን (ሳንዱቕ) ከእትዉ ዝከእሉ፡፡

9. ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ''

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914232262 ምሕታት ይካኣል