ሬስኪዩ ኦፕሬሽን ኢትዩጰያ

Ref.No ORE/271541/2023 

Date 30/12/2025

ናይ ጨረታ ምልክታ

ትካል ኦፕሬሽን ሬስኪዩ ኢትዮዽያ ነቶም ዝሕግዞም ህፃናት ዝኸውን ኣብ ታሕቲ ዝተገለፁ ናይ ጣፍ ዓይነታት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ እቶም ኣብ ታሕቲ ዝተጠቐሱ ረቋሒታት ዝተማልኡ ሕጋዉያን ተጫረቲ እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 7' ናይ ስራሕ መዓልትታትን ቀዳምን ሰንበትን ሓዊሱ ናይ ዋጋ መምልኢ ፎርሚ ካብቲ ትካል ብር 250 ብምግዛእ ቫት ሓዊስኩም ዋጋ መሊእኹም ብሰም ብዝተአሸገ ኢንቨሎፕ ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ኦፕሬሽን ሬስክዩ ኢትዮጵያ ጨረታ ሳፁን ኣታዊ ንክትገብሩ ክንገልፅ ንፈቱ ::

ተ.ቁናይ ምግቢ ዓይነትበዝሒመለክዒናይ ሓደ ዋጋጠቅላላ ዋጋ
ብርሳንብርሳን
1ቀዳ ማይ ደረጃ ጣፍ( ጭራ ሜዳ)250 ኩንታልኩንታል
2ቀዳ ማይ ደረጃ ጣፍ (ካራቆሬ)250 ኩንታልኩንታል

እዚ ጨረታ ዝመልአ አካል ስም _______________________ ፊርማ _______________________

ናይ ትካልኩም ማህተም _______________

መተሓሳሰቢ

1. ድርጅትና ካብቶም ዝተዘርዘሩ ዓይነታት ጣፍ ዝሓሸ ፅሬትን ዋጋን ብምርኣይ ካብ ክልቲኦም ዓይነታት ጣፍ መሪፅና ከምእንገዝእ ክንሕብር ንፈቱ

2. እቲ ዝቐርብ ቀዳ ማይ ደረጃ ጣፍ (ጭራ ሜዳ ወይም ካራቆሬ) ጣፍ ፅሬቱ ዝተሓለወ ምኻኑ ብበዓል ሞያ ተመርሚሩ ከምዝኣትውን እንድሕር ፅሬቱ ዘይተሓለወ ኮይኑ ግና ተቐባልነት የብሉን።

3. ጨረታ ዝሰዓረ ተወዳዳራይ ናይ ባዕሉ ሚዛን ሒዙ ብምምፃእ ሕድሕድ ኩንታል መዚኑ ከረክብ ግዴታ ከምዘለዎ ነተሓሳስብ ተዘይ ኮይኑ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይኸዉን።

4. ተጫራታይ ናይቲ ዝጫረቶ ዓይነት ጣፍ ናሙና( SAMPLE) ከተሓሕዙ ኣለዎም።

5. እቲ ዝቐርብ ጣፍ ኣብ መቐለ ከተማ ቀበሌ 18 ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ኦፕሬሽን ሬስኪዩ ብናይ ባዕልኹም መጎዓዓዚ በቲ ዝተጠቐሰ ግዜ ክተቅርቡ እትክእሉ፡፡

እቲ ጠቅላላ ዕድጊት ካብ ብር 20,000.00 (ዓሰርተ ሸሕ ብር) ንላዕሊ እንተደአ ኮይኑ በቲ ሕጊ መሰረት ዊዝሆልዲንግ ታክስ 3% ከምእትኸፍሉ ነተሓሳስብ።

ዘድልዩ ረቋሒታት

1. በቲ ሞያ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዋ/ዎን::

2. ናይቲ ትካል ቲን ቁፅሪ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል

3. ናይ 2017/2018 ዓ/ም ፍቓድ ዘሓደሰ/ት::

4. ናይ ጨረታ ዉሕስና (Bid Bond) 3% ከትሕዝ ዝኽእል::

እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 27/04/2018 ዓም ስዓት 3:00 ኮይኑ ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 27/04/2018 ዓም ሰዓት 4:00 እንትኸዉን ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ተወከልቶም አብ ዝተረኸብዎ እቲ ጨረታ ዝኸፈት ምኻኑ ክንገልፅ ንፈትዉ::

ብኣካል ዘይርከቡ እንተኮይኖም ድማ ኣብቲ ካኪ ፖስታ ኣብ ዝባኑ ይከፈተልና ዝብል ፅሑፍን ክቢ ማህተምን ጌርኹም ኣታዊ ክትገብሩ ብጥብቂ ነተሓሳስብ።

ትካልና ዝሓሽ መማራፂ እንተረኺቡ በኸፉል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ።

ኦፕሬሽን ሬስኪዩ ኢትዮዽያ ዋና ቤት ፅሕፈት ቀበሌ -18 ፊት ሸባ ኣካዳሚ-ስ.ቁ 0344409442/ 0344410810