መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግ

ምልክታ ጨረታ

ትካልና መስፍን ብረታብረትና ኢንጂነሪንግ ኃ/የተ/የግ/ማሕበር ኣብ መሰቦ ስሚንቶ ፋብሪካ ዋና ቢሮ ዝሰራሕ ናይ Aluminum,WPC MDF & Wood works ስራሕቲ ብቕሉዕ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ በቲ ስራሕ ብቕዓት ፍቓድን ዘለኩም መቕረብትን ሰራሕትን ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዐቀኒታት ተማልኡ ተወዳዳርቲ ክትሳተፉ ኩባንያና ይዕድም ::

ተ.ቁTask DescriptionRemark
1Supply & fix Aluminum, WPC,MDF & Wood worksas per the attached  BOQ & Specification

ናይ ጨረታ ረቛሒን ኩነታትን

1. ናይ'ዚ ጨረታ ተሳታፊ ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ከቕርብ ዝኽእል:: 

2. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፈቃድ፣ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት፣ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ተወሳኺ እሴት ታክስ፣ናይ መወዳእታ ወርሒ ቫት ዝክፈልሉ ሰነዳት ዝምለስ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምትሕሓዝ ብር 200.00 (ብር ክልተ ሚኢ 25/12/2025-08/01/2026 ብኣቆፃዕራ ኣዉሮፓ ጊዜ ብምክፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት ብስራሕ ሰዓት መቐለ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤትፅሕፈት ዕደጋ መምርሒ ክወስዱ ይኸእሉ፡፡

3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ብምምላእ ኣብ ሕድሕድ እቲ ጨረታ ሰነድ ማሕተምን ፊርማን ክዓርፎ ብምግባር ምስ ዘእትውዎ ዋጋ(ፋይናንሻል) ኩሉ ናይ ስራሕ ፍቓድ ሰነዳትን ቕድሚ ሓዚ ናይ ዝሰርሕሉ ተመሳሳሊ ስራሕትን ልምድን ዝገልፅ ሰነዳት ብምትሕሓዝ እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 25/12/2025- 08/01/2026 ብኣቆፃፅራ ኣዉሮፓ ክሳብ ስዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ አብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ነዚ ተብሂሉ ዝተዳለወ ሳፁን ክእትው አለዎም፡፡

4. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ሲፒኦ (CPO) ብር 115,000.00 (ብር ሚኢትን ዓሰርተ ሓሙሽትን ሽሕ ) ንበይኑ ብስምዒ ዝተኣሸገ ፖስታ ምስ ጨረታ ከእትው ይግባእ፡፡ ጥረ ገንዘብን ብፖስታ ዘይተዓሸገ CPO ከምኡ'ውን ካሊእ ዓይነት ጨረታ መኸበሪ ተቐባልነት የብሉን፡፡

5. እዚ ጨረታ ስዓት 8:00 ድሕሪ ቐትሪ ተዓፅዩ አብቲ ጨረታ ዝተዓፀወሉ ዕለት ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ቐትሪ ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኸፈት።

6. ተጫረቲ ናይዚ ስራሕ ናይ መዛዘምን መረከቢ ግዜ አብ ውሽጢ 15 ተክታተልቲ መዓልቲታት ዝርከብ ምዃኑን እቲ መዓልቲ ስራሕ ንምጅማር ዝኣትውሉን ስራሕ ወዲኦም ዝወፅሉ ግዜ ዘካትት እዩ፡፡

7. ተጫረቲ አብ ዘእተውዎ ዋጋ ንዝፍጠር ናይ ድምር ስሕተት (Arithmetic error) አብ ዝህሉ እዋን ነፀላ ዋጋ ክውሰድ ይግበር፡፡

8. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኾም ዋጋ ምእታው አይካአልን። ከምኡ'ውን ተጫሪቶም ዝሳዓርዎ ስራሕ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ብሳብ ኮንትራክት ብሳልሳይ ወገን ምስራሕ ኣይካኣልን፡፡

9. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ምዃኑ ክጠቕሱ ይግባእ፡፡ እንተዘይ ተጠቒሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ከም ዝሓወሰ ተገይሩ ይሕሰብ፡፡

10. ሰዓሪ ተጫራቲ ምስዓሮም ካብ ዝተነገሮም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 2ተ መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ንጠቕላላ ዋጋ 10% ባንክ ዉሕስና (Unconditional bank Guarantee) ውዕል መኸበሪ ከትሕዙ ኣለዎም፡፡ እንተዘይኮኑ ግን ንጨረታ መኽበሪ ዘትሐዞዎ(CPO) ንትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካሊእ መማረፂ ይወሰድ፡፡

11. ሰዓሪ ተጫራቲ ጨረታ ሲዒሮም ዉዕሊ ምስ ኣሰሩ በቲ ዉዕሊ ዝኣሰርዎ ናይ መረከቢ ግዘ እቲ ስራሕ ከርከቡ እንተዘይኪኢሎም እቲ ዘትሐዝዎ 10% ዉዕሊ መኽበሪ ጋራንቲ ናብ ትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካልእ መማረፂ ይወስድ፡፡

12. ተጫረቲ ቅድሚ ዋጋ ምእታዎም እቲ ስራሕ አብ ከበሉ ቦታ መሰቦ ስሚንቶ ፋብሪካ ሳይት (Site Visit) ብአካል ብምኻድ ክሪኡ አለዎም፡፡

13. ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ስልኪ ቁዕርታት ምጥያቅ ይካኣል