ምልክታ ዋጋ መ ቅረቢ ፕ ሮ ፎ ርማ ቁፅሪ 05/2018ዓ.ም
ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ክልል ትግራይ ንሰብ ሞያ ማንጃ ፍቃድ ሞተር ሳይክል ንምውፃእ ከውፅእ ብፕሮፎርማ ሜላ ዕዳጋ አወዳዲሩ ክትወዳደሩ ይደሊ። በዚ መሰረት ነዚ ዝስዕብ ረቛሒ እተማልኡ ነጋዶ ብክብሪ ይዕድም :-
❖ ናይ2018ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቀድ ዘለኩም ።
❖ ኣብ ናይ2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ብቅዓት ምስክር ወረቀት ከቅርቡ ዝክእሉ።
❖ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ (Tax identification Number) ዘቐርቡ ተወዳደርቲ ።
❖ ነቶም ኣብላዕሊ ዝተጠቐሱ ረቑሓታት እተማልኡ ተወዳደርቲ መረዳእታኹም ፎቶ ኮፒ ገይርኩም ዋጋ መሊእኩም ዝተዓሸገ ፖስታ ብምትሕሓዝ ካብ ዕለት15/04/2018ዓ.ም ክሳብ ዕለት 20/04/2018ዓ.ም ሰዓት 11:30 ናይ ምሸት ኣብ ዘሎ ጊዜ ኣብ ክ/ከተማ ሓዉልቲ ኣብ ዝርከብ ኣብ ከባቢ ፕላኔት ሆቴል ፊት ንፊት ዘሎ ሰናይ ዘበን ዝርከብ ህንፃ 2 ደብሪ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ቢሮ ቁፅሪ 10 ኸተቕርቡ ንዕድም፡፡
❖ ዝልእኹምዎ ዶኩመንት ብንፁር ብዝረኣየሉ መንገዲ ኮፒ ገይርኩም ክተታሓሕዙ ኣለኩም ።ብንፁር እንተዘይተራእዩ ግን ካብ ዉድድር ወፃኢ ከም ዝኸውን ነፍልጥ፡፡
❖ ፕሮፎርማ አሸነፊ ምስ ተፈለጠ ውዕሊ አብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ክአስር ዝክእል ።
❖ እቲ እትመልእዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ እንተናአሰ ፕሮርማ ካብ ዝተካፈተሉ 7' ናይ ስራሕ ማዓልትታት ይክውን።
❖ ተጠቃሚ ኤጀንሲ ዘድሊ ግልጋሎት እንተዘይ ረኺቡ ክፍሊት ክፍፅም አይግደድን።
❖ ኤጀንሲና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ፕሮፎርማ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
❖ ናይ ብቅዓት ሰርትፊኬት ከቅርብ ዝኽእል።
| ታ/ቑ | ዓይነት ንብረት | መፍለይ | መዐቀኒ | በዝሒ | ናይ ሓደ ዋጋ | መብርሂ | |
|---|---|---|---|---|---|---|---|
| ብር | ሳን | ||||||
| 1 | ማንጃ ፍቃድ ናይ ሞተር ሳይክል ምውፃእ | ናይ ሞተር ክልተ እግራ | ብሰብ | 03 | |||
➢ ንተወሳኺሓበሬታ፦ ፕላኔት ሆቴል ፊት ንፊት ኣብ ዝርከብ ናይ ዳይሬክቶሬት ዳ/ር ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 10 ብኣካል 0342406363 /09-14-03-00-69 ምሕታት ይከኣል።።