ቃላሚኖ ኢንቨስትመንት ማእከል

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ናይ መስኖ መሬት ክራይ

ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝማሓደር ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ካብ ዘለዎ ናይ መስኖ ተሓራሳይ መሬት 3.31 ሄክታር ብመስኖ ንዘልምዕ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ውዕሊ ካብ ዝተኣሰረ ዕለት ጀሚሩ ን ሓደ ዓመት ከካርይ ይደሊ ።በዚ መሰረት ኣብዚ ዘርፍ ንዝሳተፉ ኣካላት ዝስዕብ ሮቓሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም፣

➢ ብጉጅለ ወይ ብውልቀ ከልምዑ ዝኸእሉ ፣

➢ ጠቅላላ ዋጋ ናይ ሓደ ዓመት ክራይ ኣቐዲሙ ክኸፍል ዝኽእል !

➢ ናይ ጨረታ መኸበሪ 10,000.00 /ዓሰርተ ሽሕ/ ብሽም ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ብCPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝኽእሉን ፣

➢ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 200.00/ክልተ ሚኢቲ ብር/ ብምኸፋል ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ቁፅሪ 2 ዝርከብ ቤትፅሕፈት ክወስዱ ይኸኣሉ ፣

➢ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ዕለት 10/04/2018- 22/04/2018 ዓ/ም ካብ ንጉሆ ሰዓት 2፡00 ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳፁን ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ፣

➢ እቲ ጨረታ ዕለት 23/04/2018ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3፡00 ተዓፅዩ፤ሰዓት 3፡20 ንጉሆ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዋላ ተዘይተረኸቡ ይኸፈት፣

➢ ዝርዝር ድሌት መግለፂ ቤት ፅሕፈትና ካብ ዘቅርቦ ናይ ዋጋ መቅረቢ ቅጥዒ ወፃኢ ዋጋ መሊኡ ዘቕርብ ተቐባልነት የብሉን፣

➢ ቅድሚ ዋጋ ምምለኦም እቲ መሬት ብኣካል ምርኣይ የድሊ

➢ ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ ።

ንተወሰኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ /0914731592 ወይ 0914755232 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል ማእኸል ኢንቨስትመ ቃላሚኖ