ቑፅሪ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር/1338/18
ዕለት 09/04/2018 ዓ/ም
ምልክታ ፕሮፎርማ ቁፅሪ 06 /2018 ዓ/ም
መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ንናይ ኮሌጅና ተሽከርከርቲ /መኪናን ሞተር ሳይክልን/ ፅገና ግልጋሎት ዝውዕሉ መለዋወጢ ኣቕሑት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
መምርሒ ተወዳደርቲ /ተጫረቲ
1/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘርፊ ዘለኩም፡፡
2/ ናይ ግብሪ ከፈላይነት መፍለዪ ቁፅሪ /TIN No/ ዘለኩም፡፡
3/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ዘለኩም፡፡
4/ 3% Withholding tax ክኸፍል ዝኽእል ።
5/ ዝቐርቡ ናይ ፕሮፎርማ መወዳደሪ መረዳእታታት ብደምቢ ዝንበቡን ስርዝ ድልዝ ዘይብሎምን ክኾኑ ኣለዎም
6/ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ መወዳደሪ ዝርዝር ዝሓዘ ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ ኮሌጅና ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቐለ ዳይሬክቶሬት ዕ/ፋ/ን/ምም/ን ቢሮ ቑፅሪ 08 ካብ ዕለት 09/04/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 13/04/2018 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 11:00 ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልታት ምውሳድ ትኽእሉ፡
7/ እዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ዕለት 13/04/2018 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 11:00 ተዓፅዩ ዕለት 14/04/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ኣብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ዳይሬክቶሬት ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 08 ይኽፈት። ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኸፈተሉ ዕለትን ስዓትን ናይ ምርካብ መሰልኩም ዝተሓለወ ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ግን እቲ ጨረታ ኣይተኣጓጎልን።
8/ ስዓራይ ምስተፈልጠ ስዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ብናይ ባዕልኹም መጉዓዝያ ናብ ኮሌጅና ኣታዊ ክትገብሩ ኣለኩም ።
9/ ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
10/ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ጊዜ እቲ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 7 ናይ ስራሕ መዓልታት እየ
11/ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዝተቐመጠ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምፅሓፍ ኣይፍቀድን።
12/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-45-92_ ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ።