ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንሰ ከተማ ሃገረ ሰላም

ዕለት08/04/2018ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምም/ር ፋይናንሰን ከተማ ሃ/ሰላም ኣብ በጀት ዓመት 2018ዓ/ም ንዝተፈላለያ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ዝጥቀማሎም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

LOT 1. ናይ ፅሕፈት መሳርሒ

LOT 2. ናይ መኪና መለዋወጢኣቁሑት

LOT 3. ናይ መኪና ጎማ ባትርን

LOT 4. ናይ እንሰሳ መድሓኒት

LOT5. ናይ ፅሬት ኣቁሑት ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ሰለዚ

ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትኽእሉ ሕጋውያን ተጫረቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ክትሳተፉ ትክእሉ

1. በቲ ዘርፊ ናይ 2018ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ከቅርብ ዝኽእል፣

2. ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ IIN ሰርተፊኬት ክቅርብ ዝኽእል፣

3. በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምዃኑን ናይ 2018ዓ/ም ዝተሓደሰ ምስክር ወረቐት ከቅርብ ዝኽእል፣

4. ንተወሳኪ እሴት ታክሲ/VAT ዝተመዝገበ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓ.ም Vልፕ ድክላሬሽን ከቅርብ ዝኽእል፣

5. ተጫረትቲ ዝመልእዎ ዋጋ ምሰ ቫቱ ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ እንተዘይኮይኑ እቲ ዝመልእዎ ዋጋ ሻት ከም ዝሓወሰ ገይርካ ይውሰድ

6. ናይ ሕድሕድ ደኩመንት ኦርጅናልን ኮፒን ብ2ተ ፖስታ ብሽምዒ ዓጉ ከቅርብ ዝኽእል /እትኽእል /ናይቲ ዝሰዓርዎ ድምር ዋጋ 10 % ሕጋዊ ዝኾነ ባንኪ ዝፈልጦ ብCPO ውይ ድማ ብጥረ-ገንዘብ ወይ ከዓ ባንኪ ዝፈልጦ ሕጋዊ ቸክ ክትሕዝ ዝኽእል /እትኽእል

7. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈትና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተቶ ፅሬትን መጠንን ክቅርብ ዝኽእል።

8. ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብለን እንተተፈጢሩ እውን እቲ ተራቲ ብፊርሙኡ የረጋግፅ ፣ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ፣ ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ፣

9. ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ንOT-1 ንOT-2 ፣ ንOT-3 ዘይምለስ ብር 200.00/ክልተ ሚኢቲ ብር ጥራሕ ንOT-4 ዘይምለስ ብር 100.00/ ሓደ ሚኢቲ ብር ጥራሕ፣ ንOT-5 ዘይምለስ ብር 50.00/ ሓምሳ ቅርሺ ጥራሕ እናኸፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምም/ር ፋይናንሰ ከተማ ሃ/ሰላም ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 06 ካብ 8/04/2018ዓ/ም ክሳብ 22/04/2018ዓ/ም ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ዝኡ ክወዳደር ይክእል፣ትኽእል/

10. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ንሕድ ሕድ ሰነድ ጨረታ Aori LOT-2 ብር 10,000.00/ ዓሰርተ ሽሕ ብር ጥራሕ/ OT-3 / ብር 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር ጥራሕ / OT-4 / ብር 2000 /ክልተ ሽሕ ብር ጥራሕ / LOT-5 / ሮ 1000 /ሓደ ሽሕ ብር ጥራሕ ብሽም ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምም/ር ፋይናንሰ ከተማ ሃ/ሰላም ብCPO ውይ ድማ ብጥረ-ገንዘብ ወይ ከዓ ባንኪ ዝፈልጦ ሕጋዊ ቸክ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቤትፅሕፈትና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ክቅርብ ዝኽእል፣

11. እቲ ጨረታ ዕለት 23/04/2018ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 400 ንሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ስዓት 430 ንጎሆ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምም/ር ፋይናንስ ከተማ ሃ/ሰላም ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 06 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይ ምርካቦም እቲ ጨረታ ንምኽፋት ኣይተኣጓጎልን እዩ።

12. ቤት ፅሕፈትና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ

13. እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ቤት ፅሕፈትና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክትንስ/ክውስኽ ይክእል እዩ፡

14. ሰዓራይ እቲ ዝቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን።

15. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0914284281/0949935704/ 0914240731/ደዊልካ ምሕታት ዝካኣል ምዃኑ ንሕብር ፡