ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ቑ/ፕሮ- 34

ቑፅሪ ዕክንም 21 /2-3/1/01

ዕለት-08/04/2018 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ

ኣብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ዳይሪክቶሬት ዕደጋ ፋይናንሰ ንብረት ምምሕዳር ንቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መኪና መለዋወጢን መጋየፅን ኣቑሑት ብምልክታ ፕሮፎርማ ዕደጋ ሜላ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ትካላት/ብንግዲ ዘርፍኩም መሰረት/

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ዝተሓደሰ መቕረባይነት ቲን ናምበር ፎቶ ኮፒ ምስ ተቕርብዋ ናይ ዋጋ መግለፂ ብምትሕሓዝ ብፓስታ ኣሺኩም ንዕለት 08/04/18 ዓ.ም ሰዓት 3:30 ንግሆ ናብ ቑፅሪ ክፍሊ 3-18 ምቕራብ ይግባእ:: ዝቐረበ ፕሮፎርማ ዕለት 13/04/18 ዓ.ም ሳዓት 4:00 ንጎሆ ዝኸፈት ምዃኑ ንገልፅ::

2. ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7ተ ናይ ስራሕ ማዓልቲ ዝቐረበ ዋጋ ዝፀንዐ ይኸውን

3.ዝርዝር ናይ ኣቑሑት ካብ ቤ/ፅ/ት ፕረዚደንት ዳ/ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ር ቑ/ክፍሊ 3-18 ብኣካል ምውሳድ ይካኣል

4. ካብ ዝቐረቡ ተወዳደርቲ ሳዓራይ ምስ ተነፀረ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ ማዓልቲ ንብረት ከርክብ አለዎ

5. ንዝደለ ሓበሬታ ብአካል ወይ ብሰልኪ ቑፅሪ 0914732577/0914706215 ምሕታት ይካአል

6. ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ዳይ/ዕ/ፋይ/ንብ/ምም/ር/ ኣብ ዘውፅኦ ፕሮፎርማ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ መሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ'ዩ::