ቤት ፅሕፈት ህንፀት ምምሕዳር መጎዓዝያ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ

1 ናይ 2017ን 2018 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ፍቃድ ንግዲ ስራሕን ዘለኩም

2 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ሮድ ኮንስትራክሽን መዓት እዉን RC ወይድማ ጀነራል ኮንስትራክሽን GC ናይ ተኮናታራይነት ደረጃ 5 ልዕልኡን ብቅዓት መረጋገፂ ዘለዎን ናቀይ ግብሪ ከፋላይነት ምዝጋባ ምስክር ወረቀት ማለት ቲን ናምበር ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝጋባ ወረቀትን ናይ ዝሐለፈ ወርሒን ጥቅመቲ ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታን ከቅርቡ ዝክእሉ

3 መከበሪ ጨረታ ብናይ ኢትዩጰያ ባንኪ ካብ ዝተፈለጡ ባንከታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ወይድማ ፋይናንሻዊ ትካላት ዘረጋገፆ ስፒኦ ብኣድራሻ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ቤት ፅሕፈት ህንፀት ምምሕዳር መጎዓዝያን ከይዲ ስራሕን መንገዲ ምዕባለ ገጠርን ተባሂሉ ብር 70000 ከቅርብ ዝክእል

4 ተወዳደርቲ አብ ዝሐለፈ 7 ዓመታት ማለት እዉን ካብ ወርሒ ታሕሳስ 20111 ዓም ክስብ እዚ ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ መንገዲ ስራሕቲ ተፋሰስን ስራሕ ልምዲ ዘቅርቡን ካብ ሐደ ክሳብ ሰለሰተ ፕሮጀክታት ናይ ዝሰርሕዎ ፕሮጀክታት እንተናአሰ ብብር 7.5 ሚልዩን ዝሰርሑ ምካኖም ግዘያዊ ርክክብ ማለት እዉን ፕሮቪጅናል ኣክሲፕታንስ ወይድማ ናይ መወዳእታ ርክክብ ፋይናል ኣክስብታንስ ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ አለዎም

5 ተወዳደርቲ ነቲ ፕሮጀክት ንምስራሕ ዘድለዩ ሰብ ሞያ ሽም ዝርዝር ባዕለሞያ ቀዳማይ ፕሮጀክት ማናጀር በዝሒ ሐደ ደረጀ ትምህርቲ ብስቪል ምህንድስና ብኮንስትራክሻንን ማናጅመንትን ተመሳሳልቲ ሞያን ዲግሪን ልዕሊኡን ዘለዎ ኮይኑ ሰራሕ ልምዲ ክልት ዓመት ልዕልኡነ ከቅርብ ዝክእል ዝቁፀር በዓል ሞያ ኣብ ሕጋዊ ትካላት ፍትሒ ተቀባለነት ዘለዎ ዉዕሊ ስምምዕነት ከቅርብ ዝክእል : ካልኣያ ሳይተ ማናጀር በዝሒ ሐደ ብስቨለ ምህንድስና ከምእዉን ብኮንስትራክሽናን ማናጅመንት ተመሳሳሊ ሞያን ዲግሪን ልዕሊኡን ዘለዎ ኮይኑ ሰራሕ ልምዲ ክልት ዓመት ልዕልኡነ ከቅርብ ዝክእል ዝቁፀር በዓል ሞያ ኣብ ሕጋዊ ትካላት ፍትሒ ተቀባለነት ዘለዎ ዉዕሊ ስምምዕነት ከቅርብ ዝክእል : ኮንስትራክሽን ፎርማን በዝሒ ክልተ ብስቪል ምህንድስና ብኮንስትራክሽን ማናጅመት ተመሳሳሊ ሞያ ዲፕሎማን ልዕሊኡን ክልተ ዓመትን ልዕልኡን ስራሕ ልምዲ ዘለዎ ዝቁፀር በዓል ሞያ ኣብ ሕጋዊ ትካላት ፍትሒ ተቀባለነት ዘለዎ ዉዕሊ ስምምዕነት ከቅርብ ዝክእል

6 ተወዳደርቲ ነዚ ፕሮጀክት መሳርሒ ዝከዉን ናይ ኮንስትራክሽን ማሽነሪታት ተጠቂሞም ክሰርሑ ዝክአሉ ምካኖም ናይ ባዕሎም እንተኮይኑ መረጋገፂ ሌብሬ ናይ ክሪያ እንተኮይኑ ድማ ሕጋዊ ዉዕሊ ኣብ ፍትሒ ዝፀደቀን ልብሬን ከቅርቡ ዝክእል ምካኖም ዳምፕ ትራክ በዝሒ ሐደ ኤክስካቫተር በዝሒ ሐደ ፒካኣፕ በዝሒ ሐደ መረጋገፂ ዋንነት ዘድለዩ ድማ ኮንኩሪት ሚክሰር በዝሒ ሐደ ቫይቭሬተር በዝሒ ሐደ ሃንደ ኮምፓክተር በዝሒ ሐደ ናይ ባዕሎም ወይ ናይ ኪራይ መረዳእታ ከቅርቡ ክክእሉ አለዎም

7 ሰዓራይ ተኮናተራይ ምስዓሩ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 7 መዓልቲታት ዉዕሊ ብምእሳር ብዝተዉሃቦ ዲዛይን መዓቀኒን መሰረት ነቲ ዝተዉሃቦ ስራሕ አብ ዉሽጢ 90 መዓልቲ ተከታተልቲ መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ሰሪሑ ከረክብ አለዎ
8 ተዋደደራይ ነቲ ፕሮጀክት ጀሚሩ ዝዉድ ንምካኑ ንምርግጋፅ እንተናአሰ 1.5 ሚልየን ኣብ ባንኪ ሒሳብ ዘሎ ምከኑ ዘረጋግፅ ሕጋዊ ናይ ባንኪ ደብዳቤ ወይድማ ናይ ባንኪ ሰተትመንት ወይ እዉን ናይ ልቃሕ መማረፂ እንተሃሊዎም እቲ ዝተገለፀ መጠን ገነዘብ ብልቃሕ ዝርከብ ምካኑ ከብቲ ዘለቀሖ ባንኪ መዉሓሲ መረጋገፂ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

9 ተወደደርቲ ዝተሐተተ ኩሎም ረቆሒታት አብ ዝተፈላለዩ ክልተ ፖስታ ዓሺጉ ዋናን ቅዳሕን ኢሉ ኣብ ክልተ ፖስታት ብፓርከር ወይ ብዝረአ ፅሑፍ ብምፅሓፍ ማህተም ኣብቲ ፖስታ ክዓርፍ ብምግባር ዳግም ክልቲኦም ኣናሽተይ ፖስታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ኣእቲአም ብምዕሻግ እቲ ዝዕሸግ ማህተም ክዓርፈሉ ብምግባር ናይቲ ዝወዳደርሉ ፕሮጀክት ስም ናይ ኮንትራክተር ሽምን ኣድራሻን ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ብፓርከር ወይ ብዝረአ ፅሑፍ ብምፅሓፍ ነቲ ዉድድር ተባሂሉ ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ብቤት ፅሕፈት ህንፀት ምምሕዳር መጎዓዝያ ከይዲ ስራሕ መንገዲ ምዕባለ ቢሮ ቁፅሪ 31 ኣብ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ከእትዉ አለዎም

10 ሰዓራይ ዝከዉን ተወዳደር ንኩሎም ዝተሐተቱ ረቆሒታት ዝተሐተ መዓቀኒ ኣማሊኡ ዝተሐተተ ዋጋ ዘእተዉ ተዓዋቲ ይከዉን

11 ክፍሊት ብሰርሖ መጠን ይክፈል

12 ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ንተከታታልቲ 30 መዓልቲታት ፀኒዑ ይፀንሕ

13 ሰዓራይ ተወዳዳራይ መከበሪ ዉዕሊ ካብ ዝሸነፎ መጠን ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብስፒኦ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ባንኪ ዉሕስና ከትሕዝ ዝክእል

14 እቲ ዘሸነፈ ኮንትርከተር ነቲ ፕሮጀክት ካብ ዝወሰዱ ዕለት ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኮነ ሕጋታት ሐለዋ ከባቢን ናይ ባነኪ ዓለም ናይ ከባብን ማሕበራዊን ማሕበረሳዊን ፕሮጀክት ሰራሕተኛታትን ጥዕናን ድሕንነትን ሕግታት ደረጃታት ስርዓተ ምግቢ ምጥንካር ፕሮግራም ከባቢዋይነትን ድሕንነትን ምሕድራን ማዕቀፋት ክክተል ብሰንኪ ስራሕ ገጋጥም ዝክእል ዝኮነ ይኩን ጉድኣት ንምክልካል ኩሉ ዘድሊ ከክብርን እንናአሰ ናይ ባዕሉ ወፃኢታት ቅድሚ እቲ ስራሕ ምዝዛሙ ኣብ ዉሕጅ እንስሳን ሰብን ድሕንነት ዘጋጥም ሐደጋታት ንምእራም ወይ ንምእላይ ግዴታ አለዎ

15 ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 7/4/2018 ዓም ክስብ 13/4/2018 ዓም ሰዓት 11:00 ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ቤት ፅሕፈት ህንፀት ምምሕዳር መጎዓዝያ ከይዲ ስራሕን መንገዲ ምዕባለ ገጠርን ቁፅሪ 31 ብር 1000 ብምክፋል ክወስዱ ይክእሉ

16 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914787354