ቑፅሪዕክንም...2.1.42-3/1/01
ዕለት 03/04/2018 ዓ/ም
ምልክታ ፕሮፎርማ
ቑ/ፕሮ- 32
ኣብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንትቅዳይሪክቶሬት ዕደጋ ፋይናንሰ ንብረት ምምሕዳር ንቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ብፕሮፎርማ ዕደጋ ሜላ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሰብ ትካላት/ብንግዲ ዘርፍኩም መሰረት/
1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ቲን ናምበር ንቫት ዝተመዝገቡ እንተኾይኖም ናይ ቫት ዝተመዝገብሉ ሴርቲፍኬት መቅረባይነት ሰለስቲኡ ፎቶ ኮፒ ምስ ዝቀርብ ናይ ዋጋ መግለፂ ብምትሕሓዝ መሊእኹም ብፖስታ ኣሽኩም ካብ ዕለት 03/04/2018 ዓ.ም ሰዓት ክሳብ 07/04/2018 ዓ/ም ሰዓት11፡30 ናብ ቑፅሪ ክፍሊ 3-18 ምቅራብ ይግባእ፡፡ ዝቐረበ ፕሮፎርማ _ ዕለት 08/04/2018ዓ/ም ስዓት 2፡30 ዝኸፈት ምዃኑ ንገልፅ፡፡
2. እቲ ዝቀረበ ኣቅሓ በቲ ዝተጠቀሰ ስፔስፊኬሽን መሰረት ኦርጅናል ክኸውን ኣለዎ
3. ካብ ዝቐረቡ ተወዳደርቲ ሳዓራይ ምስ ተነፀረ ኣብ ውሽጢ 3/ሰለስተ/ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ንብረት ከርክብ ዝክኣል
4. ኣብቲ ዝተጠቀሰ ግዜ ውሽጢ ክተርክቡ ትኽእሉ ምኻንኩም ኣረጋጊፅኩም ክትመልኡ ይግባእ √ ሳዓራይ ምስ ተባሃለ ዘየቅርብ ዋጋ መሊኡ ዘቅርብ ትካል ኣብዚ ቤት ዕዮ ንዘጋጥም ምጉልእላእ ተሓታቲ ይኸውን
5. ኣብ ዘይዘርፉ /ዘይምልከቶ/ ዋጋ መሊኡ ዘቅርብ ካብ ውድድር ወፃኢ ይግበር
6. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ መዓልቲ ጀሚሩ ን7ተ ናይ ስራሕ መዓልትታ ጥራሕ ይኸውን
7. መምለኢ ዋጋ ካብ ቤት ፅሕፈት ጊ/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 3-18 መፅእኩም ውሰዱ
8. ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ዳይ/ዕ/ፋይ/ንብ/ምም/ር/ ኣብ ዘውፅኦ በዝሒ ምቅናስ፣ምውሳኽ ከምኡውን ብሙሉእ ወይ ብኽፋል እቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
ንዝደለ ሓበሬታ ብአካል ወይ ብሰልኪ ቑፅሪ 0914732577 ምሕታት ይካአል