ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ቑፅሪዕክንም.21//2-3/1/01

ዕለት- 01/04 /2018 ዓ/ም

ምልክታፕሮፎርማ

ቑ ፕሮ-29

ትግራይ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ዳይሪክቶሬት ዕደጋ ፋይናንሰ ሴክሬታሪ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ  ጀኔነተር ወይም ኤሌክትሪክ ኣቅሑት ፕሮፎርማ ዕደጋ ሜላ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሰብ ትካላት/ብንግዲ ዘርፍኩም መሰረት/

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ቲን ናምበርን ቫት ዝተመዝገቡ እንተኾይኖም ናይ ቫት ዝተመዝገብሉ ሴርቲፍኬት መቅረባይነት ሰለስቲኡ ፎቶ ኮፒ ምስ ዝቀርብ ናይ ዋጋ መግለፂ ብምትሕሓዝ መሊእኹም ብፖስታ ኣሽኩም ካብ ዕለት 01/04/2018 ዓ.ም ሰዓት ክሳብ 03/04/2018 ዓ/ም ሰዓት 11፡30 ናብ ቑፅሪ ክፍሊ 3-18 ምቅራብ ይግባእ፡፡ ዝቐረበ ፕሮፎርማ ዕለት 06/04/2018ዓ/ም ስዓት 2፡30 ዝኸፈት ምዃና ንገልፅ፡፡

2. እቲ ዝቀረበ ኣቅሓ በቲ ዝተጠቀሰ ስፔስፊኬሽን መሰረት ኦርጅናል ክኸውን ኣለዎ

3. ካብ ዝቐረቡ ተወዳደርቲ ሳዓራይ ምስተነፀረ ኣብ ውሽጢ 3/ሰለስተ/ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ንብረት ከርክብ ዝክኣል

4. ኣብቲ ዝተጠቀሰ ግዜ ውሽጢ ክተርክቡ ትኸእሉ ምኻንኩም ኣረጋጊፅኩም ክትመልኡ ይግባእ ሳዓራይ ምስተባሃለ ዘየቅርብ ዋጋ መሊኡ ዘቅርብ ትካል ኣብዚ ቤትዕዮ ንዘጋጥም ምጉልእላእ ተሓታቲ ይኸውን

5. ኣብ ዘይዘርፉ /ዘይምልከቶ/ ዋጋ መሊኡ ዘቅርብ ካብ ውድድር ወፃኢ ይግበር

6. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ መዓልቲ ጀሚሩ ን7ተ ናይ ስራሕ መዓልትታ ጥራሕ ይኸውን

7. መምለኢ ዋጋ ካብ ቤት ፅሕፈት ጊ/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 3-18 መፅእኩም ውሰዱ

8. ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ዳይ/ዕ/ፋይ/ንብ/ምም/ር/ ኣብ ዘውፅኦ በዝሒ ምቅናስ ምውሳኽ ከም ኡውን ብሙሉ እወይ ብኸፋል እቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንዝደለ ሓበሬታ ብአካል ወይ ብሰልኪ ቑፅሪ 0914732577 ምሕታት ይካአል

ተቁ ዓይነት ግልጋሎትመግለፂመለከዒበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠ/ዋጋመብርሂ
ብርሳንብርሳን
1fuel filter009.4687NO01
2oil filterED2175.250.5 /Koehler/NO01
3oil15W140Liter15L
4CoolantABroLiter3L
5air Cleanersmall size /3-pistory/NO01
6Charm over Switch100ANO01